Saturday , May 18 2024
A new record for the price of diesel makes it even more expensive to fill the tank. Foto: Fredrik Persson / TT kod 1081

ዋጋ በንዚንን ናፍታን፡ ከም እንደገና ይውስኽ

ሕጂ እቶም ቀንዲ ሰንሰለታት ነዳዲ ከም እንደገና ይውስኹ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፡፡ ንኣብነት፡ ብሰኑይ OKQ8 ዋጋ በንዚን ብ20 ሳንቲም ዋጋ ናፍታ ድማ ብ10 ሳንቲም ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ኣብዚ እዋን እዚ ዋጋ ናይ ሓደ ሊትሮ በንዚን ኦክታን-95፡ 18.29 ክሩነር ክበጽሕ እንከሎ፡ ዋጋ ናይ ሓደ ሊትሮ ጎኢዚ ናፍታ ድማ 20.77 ክሩነር በጺሑ ምህላዉ ሓቢሮም።

ናይ ሰሉስ ዋጋ ኤሌክትሪክ ውን ኣብ ምውሳኽ እዩ ዝርከብ። ንኣብነት ኣብ ናይ ዕዳጋ ዞባ-3 ንሓደ ኪሎ ዋት ኣብ ሰዓት (kWh) 149.6 ኦረ (öre) ክኸውን እንከሎ ኣብ ናይ ዕዳጋ ዞባ-4 ድማ እቲ ዋጋ 153.2 ኦረ (öre) እዩ፡፡

ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣብ ዝርከባ ናይ እኤለክትሪክ ከባቢታት 1ን 2ን ውን ዋጋ ናይ ተማሳሳሊ መጠን እኤለክትሪክ 18.4 ኦረ በጺሑ ይርከብ፡፡

እርማት፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ትርጉም ግጉይ ናይ ዋጋ ሓበረታ ዝሓዘ `ዩ ኔሩ፡፡

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com