Sunday , May 19 2024
Anders Wiklund/TT Sveriges utrikesminister Ann Linde (S). Arkivbild

ውሳነ ፊንላንድ ን ሽወደን ባህርያዊ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ፡ ነቲ ትማል ሓሙስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ፊንላንድ፡ ሃገሮም ናብ ኔቶ ብዝቐልጠፈ ክትጽንበር ከም ዝድግፉ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ግምት ከተእትዎ ምዃና ገሊጻ። ሽወደን፡ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ—ኔቶ– ክትጽንበር ድያስ ኣይፋላን፡ ኣብ ዝመጻ መዓልታት ክተፍልጥ እያ። መራሕቲ ማእከላይ፡ ሊበራል ከምኡ’ውን ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ፡ ሽወደን ኣሰር ፊንላንድ ክትስዕብ ከም ዝድግፋ ክገልጻ እንከለዋ፡ ጸጋማይን ሓምላይን ሰልፊታት ግና፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን የብላን ኣብ ዝብል መርገጺአን ጸኒዐን ኣለዋ፡ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com