Sunday , May 19 2024

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ንኽትወጽእ ይጽውዕ

ትማሊ ሓሙስ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክትወጽእ ጻዊዑ።

ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መሬት ትግራይ ኣይኣተዂን ብምባል ነቲ ክሲ ክትነጽጎ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ።፡ ብዘይካዚ ው/ሕ/ሃ ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ የንጸላሉ ምህላዉን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ክግበር ጻውዒት እኳ እንተገበረ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብዝነበረ ምክፍፋል ኣብ ሓደ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዘይተኻእለ ተገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ዋና ጸሓፊት ሰብኣዊ መሰላት ው/ሕ/ሃ ሚሸል ባሽለት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት መርመራ ክግበር ጸዊዓ’ላ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣማኢት ሲቪል ተጋሩ ከም ዝቐተለ፡ ኣብ ከተማታት ትግራይ መቐለ፡ ዓዲግራትን ሑመራን ኣልማማ ደብዳብ ምግባሩን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ከተማ ኣክሱም ከምኡውን ኣብ ማእከላይ ትግራይ ኣብ እትርከብ ማርያም ደንገላት እትበሃል ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን፡ ብሰራዊት ኤርትራ ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ እውን ብዝተፈላለዩ ወገናት ክግለጽ ምጽንሑ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com