Friday , May 17 2024
Johan Nilsson/TT

ውድባት ረድኤት ስግር ባሕሪ ምወላ ክቃረጽ ከም ዝኽእል ሻቕለአን ገሊጸን። 

ካብ ሓገዝ ልምዓት ሽወደን ልገሳ ዝግበረለን ዓለምለኸ ውድባት ረድኤት ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን ዝወሃበን ዝነበረ ምወላ ክቋረጽ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕላ ከም ዘለወን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። 

ገዚፍ መጠን ናይቲ ረድኤት ልምዓት ስግርባሕሪ ነቶም ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ክውዕል ይኽእል እዩ ክብል ሚኒስተር ስደተኛታት ኣንደርሽ ይገማን ገሊጹ’ሎ። እዚ ውሳነ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘሎ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይን መግቢን ከም ዝጋደድ ብምግባር ንተወሳኺ ስደት ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበተን ናይ ረድኤት ውድባት ኣጠንቂቐን ኣለዋ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com