Saturday , May 18 2024
Pro-democracy protesters hold a flash mob rally to protest against Myanmar's military-installed government, at Kyauktada township in Yangon, Myanmar Monday, Dec. 20, 2021. A Myanmar court on Monday postponed to Dec. 27 the issuing of verdicts in the latest of a series of cases against the country’s ousted leader, Aung San Suu Kyi, a legal official knowledgeable about the case said.(AP Photo) TKSJ301

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሚያንማር፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሉ

መርመርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ኣብ ሚያንማር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ሰባት ብወታሃደራት ናይታ ሃገር ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ኣቃሊሖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቶም መርመርቲ እንተኾይኑ፡ እዞም ቅትለታት፡ መርኣያ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተፈጸሙ ገበናትን ናይ ኲናት ገበናትን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ዕለት 1፡ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሚያንማር ከምዝተፈጸመ ዝዝከር’ዩ።
“ብዘሕዝን መልክዕ፡  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቓልሑ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ ካብቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ንነጀው፡ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ሰባት ብናይ ኲናት ገበናትን ኣንጻር ሰብኣዊነት ብዘቕንዑ ገበናትን ከም ዝተቐተሉ እዮም ዝሕብሩ” ክብል ፍሉይ ልኡኽ ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ዝኾነ ኒኮላስ ካውሚያን እቲ ጽንብል ቅድሚ ምብጽሑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕለት 1፡ ካብታ መራሒት ናይቲ ሃገር ዝነበረት ሕጂ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትርከብ፡ ኣውንግ ሳን ሱ ኪ፡ እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ድሕሪ ምምንዝዑ፡ ተቓውሞታትን ናይ ተቓወምቲ መግለጺታትን ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝተዓፈኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ካብቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ነነጀው፡ ብመሰረት ነታ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ዝከታተል ዘሎ ሓደ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተቖጻጻሪ ትካል እንተኾይኑ፡ ልዕሊ 1,300 ዝኾኑ ሲቪላዊ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 11,000 ዝኾኑ ድማ ከም ዝተኣሰሩን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com