Saturday , May 18 2024
Ngozi Okonjo-Iweala, coordinating minister for economy and finance of Nigeria, speaks during a plenary session at the 42nd annual meeting of the World Economic Forum, WEF, in Davos, Switzerland, Thursday, Jan. 26, 2012. The overarching theme of the meeting, which will take place from Jan. 25 to 29, is "The Great Transformation: Shaping New Models". (AP Photo/Keystone, Jean-Christophe Bott)

ውድብ ንግድ ዓለም ንመጀመርታ ግዜኡ ኣፍሪቃዊትን ጓለንስተይይን መራሒት እቲ ውድብ ክትከውን መሪጹ

ወከልቲ 164 ሃገራትን ኣባላትን ውድብ ንግድ ዓለም ብሰኑይ ን 66 ዝዕድሜኣ ናይጀርያዊት ክኢላ ስነቚጠባ ንጎዚ-ኤዌላ ዳይረክተር ጀነራል እቲ ውድብ ክትከውን ምምራጾም ተገሊጹ። ኦኮንጆ-ኤዌላ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ዜናዊ ዋዕላ ስራሕ ንምጅማር ተሃንጥያ ምህላዋን ነቲ ውድብ ምስ ጠለባት 21 ክ/ዘመን ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክትጽግኖ ድሌት ከም ዘለዋን ገሊጻ ክብል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ንሳ–“ከም ኣፍሪቃዊትን ጓለንስተይቲን መጠን ኣባይ ኣሕዲርኲሞ ዘለዂም እምነት ኣዝየ እየ ዘማስወሉ። ዘሎኒ ክእለትን ተመኲሮን ተጠቒመ ብትብዓትን ምሉእ ተወፋይነትን ምሳኹም ብምዃን ነዚ ውድብ ንመጻኢ ብዝጥምት ኣገባብ ከም ዝጽገን ክገብር እየ” ኢላ። ንሳ ሓደ ካብ ቀዳምነታታ ክትባት ኮቪድ -19 ናብተን ዝደኸያ ሃገራት ከም ዝባጻሕ ምግባር ምዃኑ እውን ሓቢራ’ላ። “ዋላኳ ዋንነት ንብረት ዋጋ ዝወሃቦ ምዃኑ ንግንዘብ እንተኾንና ንስሉጥ ምውጋድ እዚ ሕማም መፍረ ክትባት ጸረ ኮሮና ኣብ ብዝሕ ዝበላ ሃገራት ክህሉ ግና ጻውዒትና ነቕርብ” ኢላ። ኦኮንጆ ናብ ዳይረክተር ጀነራልነት እዚ ውድብ ከይትመጽእ ምምሕዳር ትራምፕ ዓጊትዋ ምጽንሑን ምስ ካልኦት ሕጹያት ብምውድዳር ቀጥታዊ ንግዳዊ ተመኲሮ የብላን ዝብል ምኽንያት ይቐርበላ ምንባሩብ ድማ ተገሊጹ። ኦኮንጆ ን 25 ዓመት ኣብቲ ባንክ ዓለም ዝሰርሐት ኰይና ኣብ ድኻታት ሃገራት ቊጠባዊ ዕቤት ክህሉ ብዙሕ ከም እትከራኸር ይንገረላ። ኣብ 2012 ባንክ ዓለም ስለምንታይ እዩ ኲልሳዕ ብኣመሪካዊያን ጥራይ ዝመሓደር ብምባል ንፕረሲደንትነት ተወዳዲራ ምንባራ ፥ እንተኾነ ከም ዘይተዓወተት እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ። ብዘይካዚ ኦኮንጆ ሚኒስተር ፋይናንስ ናይጀርያ ብምዃን ኣገልጊላን ሃገራ ኣብ 2005 ናይ ቢልዮናት ዕዳ ክስረዘላን ጌራ’ያ–ብመሰረት ድምጺ ኣመሪካ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com