Sunday , May 19 2024

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ መስርሕ ክታበት ብምድንጓዩ ይነቅፍ

ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብቕልጡፍ ክኽተቡ ከምዘለዎም፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ጸዊዑ።
ኣብዚ እዋን ዝረአ ዘሎ መስርሕ ዝርጋሐ ክታበት፡ ብዘይ ቅቡል ኣገባብ ምድንጓያት የርኢ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ፍርያምነት ብምውሳኽን ንስራሕ ዝዕንቅፉ ምምሕዳራዊ መሰናኽላት ብምውጋድን ኣብ ኢድና ዝበጸሐ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል፡ መስርሕ ክታበት ክነቃላጥፍ ከምዝግባእ፡ ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ጨንፈር ኤውሮፓ፡ ሃንስ ክሉግ፡ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ኤውሮፓ፡መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብዝለዓለ ናህሪ ምውሳኹ ንዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ሃንስ ክሉግን ኣሻቓሊ ኣርእስቲ ኮይንዎም ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ፡ ኣብተን ንዓለማዊ ውድብ ጥዕና ጸብጻባተን ዘመሓላልፋ 53 ሃገራት፡ 1.6 ሚልዮን ሰባት፡ ብሕማም ኮቪድ ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com