Sunday , May 19 2024

‘ዓመተ 2023 ብደረጃ ዓለም ንስደተኛታት ዝኸፍአት ዓመት ኔራ”IOM

FILE - In this May. 3, 2021, file photo, relatives of a person who died of COVID-19 mourn outside a field hospital in Mumbai, India. COVID-19 infections and deaths are mounting with alarming speed in India with no end in sight to the crisis. People are dying because of shortages of bottled oxygen and hospital beds or because they couldn’t get a COVID-19 test. (AP Photo/Rafiq Maqbool, File) ITM106

ዓመተ 2023 ብደረጃ ዓለም ንስደተኛታት ዝኸፍአት ምንባራ ተሓቢሩ፡፡ ብዝተፈላለየ መስመራት ስደት ከኣ ብውሕዱ 8,565 ህይወት ስደተኛታት ከምዝጠፍአት ተፈሊጡ። እዚ ኣሃዝ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ካብ ዘውጽኦ ዝተወስደ ኮይኑ፡ ምስ ዓሚ ክነጻጸር እንከሎ፡ ሞት ስደተኛታት ብ 20% ከምዝወሰኸ ዘመልክት እዩ፡፡ በዚ ድማ ህይወት ስደተኛታት ንምሕላው ገለ ወሳኒ ስጒምቲ ክግበር ጻውዒት ዘቕርብ እዩ። ምክትል ዋና ዳይረክተር IOM ኡጎቺ ዳኒኤልስ፡ ነቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ፕሮጀክት ድሕሪ ምትንታን፡ ነፍሲ ወከፍ ዝጠፍአ ህይወት ዓብዪ ሰብኣዊ ትራጀዲ ኣስሚራትሉ። ነዚ ፕሮጀክት ዓሰርተ ዓመት ዝጠፍኡ ስደተኛታት ኣብ እንዝክርሉ ዘለና እዋን ስድራቤቶም ዝፈትውዎም ብምስኣኖም ንሓዝን ክብል ገሊጹ። ብዘይካዚ ዝሓሸ ህይወት ንምንዳይ ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞታት ንምንካይ ዝዓለመ ውሑስ ስደት ክህሉ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚራትሉ። ኣብ 2023 ዝነበረ ቁጽሪ ካብቲ ኣብ 2016 ዝነበረ ዝለዓለ ኮይኑ፡ 8,084 ሞት ኣጋጢሙ እዩ፡፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ 2014 ካብ ዝጅምር ንደሓር 2023 ዝበዝሑ ስደተኛታት ምሟቶም ገምጊሙ’ሎ። መብዛሕትኦም እዚ ሞት (ልዕሊ ፍርቂ) ብሰንኪ ምጥሓል ዝተኸስተ ኮይኑ፡ ሓደጋ መካይንን ጎነጽን እውን ስዒቦም ዝመጹ እዮም። እዚ ስደተኛታት ዘለውሉ ተስፋ ዝቖረጸ ኩነታት ዘጉልሕ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ሕጽረት ውሑስ ኣማራጺታት ብዘይስሩዕን ሓደገኛን መስመራት ኣቢሎም ይጓዙ ምህላዎም ገምጊሙ። ማእከላይ ባሕሪ ነቶም ዕቝባ ዝደልዩ ሰባት ዝያዳ ሓደገኛ መሕለፊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ዓሚ ጥራይ ብውሑዱ 3,129 ክሞቱ እንከለዉ- እዚ ድማ ካብ 2017 ንደሓር እቲ ዝለዓለ እዩ። ካብዚ ኣህጒራት ኣፍሪቃን ኤስያን ተራእዩ ዘይፈልጥ ሞት ስደተኛታት ዜጋታተን ኣብ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ኣጋጢምወን ኣሎ፡፡ ብፍላይ ድማ ሮሂንጋያን ኣፍጋኒስታንን ካብዚኦም ተጠቀስቲ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com