Saturday , May 18 2024

ዓመታዊ ኣታዊታት ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሽወደን ክንደይ እዩ?

ኣታዊታት ደቂ ተባዕትዮ ምስ ኣታዊታት ደቂ ኣንስትዮ ዝዛየደ ምዃኑ ሓድሽ ስታቲካዊ ጸብጻብ ሓቢሩ። እዚ ናይ ኣታዊታት ጋግ በብእዋኑ ኣናጸበበን ካብ ምምሕዳር ናብ ምምሕዳር ዝተፈላለየን እዩ። ዝሓለፈ ዓመት ገምጋም ኣታዊታት ደቂ ኣንስትዮ 77% ካብቲ ጠቕላላ ድምር ኣታዊታት ደቂ ተባዕትዮ ከምዝነበረን እዚ ቁጽሪ’ዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዓመተ 1999 ዝነበረ ናይ 72% ብውሑድ ከም ዝወሰኸ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ሓቢሩ። ዝሓለፈ ዓመት ጠቕላላ ገምጋም ዓመታዊ ኣታዊታት ደቂ ኣንስትዮ 251,113 ክሮነር ክኸውን እንከሎ ገምጋም ዓመታዊ ኣታዊታት ደቂተባዕትዮ ድማ 327,875 ክሮነር ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣታዊታት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ኣታዊታት ደቂ ተባዕትዮ ብምንጽጻር ዝሓሸ ዕብየት ኣርእዩ እዩ። ካብተን ኣብ ሽወደን ዝርከባ 290 ምምሕዳራት ኣብተን 268 ምምሕዳራት ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ኣታዊ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣለወን። ኣታዊታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከምዘን ዝስዕባ ምምሕዳራትን ከተማታትን ዝተሓተ ከም ዝኸውን ስታቲካዊ ሓበሬታ የረጋግጹ፡

ናይ ቁጠባ ዕብየት ዘመዝግባ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለላ ኢንዱስትሪታት፣ ከም ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከብ ናይ ዕደና ማእከል፡ ኬሮናን ያልቫረን ዝኣመሰላ ኢንዱስትሪታት ፣ ትሑት ደረጃ ጠቕላላ ኣታዊ ዝኸፍሉ ቦታታት ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ከም በዓል ቢዮርሆልም ን ኣብ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ምዕራብ ኢምዮ ዝበሃላ ቦታታት ኣታዊታት ደቂ ኣንስትዮ ብ44% ክብ ክብል እንከሎ ኣታዊታት ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብ25% ወሲኹ።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሽወደን ካብ 2000ዓ/ም ክሳብ 2018 ዓ/ም እዘን ዝስዕባ ምምሕዳራት ዝዓበየ ወሰኽ ኣታዊታት ዘርኣያ እየን፡

ደቂ ኣንስትዮ • Lomma: 55% • Härryda: 53% • Tjörn: 53% • Ydre: 52% • Öckerö: 52% • Aneby: 52% • Varberg: 52% • Hammarö: 51% • Lekeberg: 50% • Kungsbacka: 50%

ደቂ ተባዕትዮ • Solna: 47% • Gällivare: 47% • Kiruna: 44% • Vaxholm: 44% • Varberg: 43% • Lomma: 42% • Lekeberg: 41% • Kungsbacka: 41% • Krokom: 41% • Stenungsund: 40%


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com