ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ መንገዲ ኣየር ኖርወይ 1.4 ሚልዮን ዓማዊል ምእንጋዱ፡ እዚ ድማ ምስ ቅድሜኣ ዝነበረ ወርሒ እንክነጻጸር፡ ቊጽሪ ተጠቀምቲ ብ 50% ምውሳኹ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ። ብዘይካዚ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ሓደስቲ ጒዕዞታት ብምኽፋት፡ ሓፈሻዊ ዓቕሙ ብ 50% ኣዕብዩ ምህላዉ ተመልኪቱ። “ድሌታት ጒዕዞ ይውስኽ ምህላዉ የሐጒሰና እዩ። ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣገልግሎትና ብምውሳኽ፡ ኣታዊና እውን ከነዕቢ ክኢልና ኣለና” ክብል ዋና ኣካያዲ እቲ መንገዲ ኣየር፡ ጊር ካርልሰን ሓቢሩ። ኣብ ብርክት ዝበላ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ብምኽንያት ጒድለት ዓቕሚ ኣብ ሰዓትካ ናይ ምርካብ ጒዳይ ብ 90% እኳ እንተተጸልወ፡ 99% ካብቲ ዝተወጠን ጒዕዞ ግና ብዓወት ምፍጻሙ እቲ ኲባንያ ወሲኹ ኣመልኪቱ።