Sunday , May 19 2024

ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ንግብረ ሽበራ ዝድግፉ ጽሑፋትን ስእልታትን ምዝርጋሕ፡ ከም ገበን ክቑጸር፡ ይጠልብ

ንግብረ ሽበራውያን ማሕበራት ዝድግፉ ጽሑፋትን ስእልታትን ምዝርጋሕ፡ ከም ገበን ክቑጸር ከምዝግባእ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ጠሊቡ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።

 ኣንጻር “ፖለቲካዊ እስልምና” ንቃለስ፡ ዝብል ምሉእ ሓሳብ ዝሓዘ መልእኽቲ፡ ሓላፊ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኦልፍ ክሪስተርሾን፡ ኣብ ናይ ትማሊ ዓምዲ ናይ ጋዜጣ ዳግኒዝ ነሂተር ከምዝጸሓፈ ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣንጻር ንግብረ ሽበራ ዝድግፉ መልእኽታት ዝዘርግሑ ሰባት፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ጸጥታ ሃገር ገበን ዝፈጸመ ሰብ ዝውሰድ፡ ምምንጣል ሽወደናዊ ዜግነት፡ ዝኣመሰሉ ስጉምቲታት ክውሰደሉ ጠለቦም ኣቕሪቦም።

ምምሕዳር ቤት ትምህርታት፡ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ብዘይዲሞክራስያዊ ክብርታት ዝፍለጡ፡ ክቕይር ከምዝግባእን ንዲሞክራስያዊ ሊበራሊዝም ዝጻረር፡ ንሃማኖታዊ ምውዕዋዕ፡ ዝውዕል ምወላ፡ ብደረጃ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ውሳኔ ክወሃበሉን ክብል፡ ክሪሽተርሾን፡ ርእይትኡ ኣቕሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣብ ዘመሓላላፎ መልእኽቲ፡ እቲ ቃልሲ፡ ኣንጻር ሃይማኖት እስልምና ዘይኮነስ፡ ኣንጻር እቶም ጥሩፍ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣኽረርቲ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com