Saturday , May 18 2024
Britain's Home Secretary Priti Patel. The British government plans to give itself powers to turn asylum seekers back at sea or send them abroad while their claims are processed, measures intended to deter migrants making perilous journeys across the English Channel in small boats. (AP Photo/Matt Dunham, Pool, File) AMB104

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ትሻቐል

ብሪጣንያ፡ ብዘይ ፍቓድ ናብ ሃገራ ንዝኣተው ስደተኛታት፡ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ክትኣስር ምዃና ኣፍሊጣ። ሓላፊት ውሽጣዊ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ወይዘሮ ፕሪቲ ፓተል፡ ነቶም ብወሽመጥ ቻነል ኢንግላንድ ብጀላቡ ዝኣትው ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ፈረንሳ ናይ 54.2 ሚልዮን ፓውንድ ውዕል ከም ዝገበረት ተዛሪባ።

ኣብዚ ዓመት፡ ቍጽሪ እቶም ብቻነል ኢንግሊዝ ዝሰገሩ ዘለው ስደተኛታት፡ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ስለ ዝበዝሑን ሻቕሎት ስለ ዝፈጠረን እቲ ትካል ብኹሉ ዝኽእሎ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ነቶም ብፈረንሳ መጺኦም ብቻነል ኢንግሊዝ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝሰግሩ ስደተኛታት ንምግታእ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ዝያዳ ፖሊስን ሓለዋን ንኸዋፍር ዝሕግዝ ናይ 28.2 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢ እኳ እንተገበረት እቲ ዋሕዚ ግን ኣይነከየን።

ኣባል ባይቶ እታ ንዓዲ ኢንግሊዝ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዝተኣኻኸቡላ ከተማ ካሌይ ዝኾነ ፒየር-ሀንሪ ዱሞንት፡ ገማገም ባሕሪ ፈረንሳ ካብ መጠን ንላዕሊ ነዊሕ ብምዃኑ ንሓለዋ ከም ዘጸግም ተዛሪቡ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሚስ ፓተል፡ ብወገና ንኮሚቴ ዘቤታዊ ጕዳያት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ይውስኽ ከም ዘሎ ኣረዲኣ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ጥራይ፡ ኣስታት 430 ስደተኛታት ብፈረንሳ ናብ ኢንግሊዝ ኣትዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com