Friday , May 17 2024
British Prime Minister Boris Johnson (AP Photo/Matt Dunham, Pool) LMD114

ዓዲ እንግሊዝ፡ ምዝላቕ መምርሒታት ኮሮና ሎሚ ክግለጽ እዩ

86% ካብቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ እንግሊዛውያን፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ጸረ ኮቪድ ዝተኸትቡ ብምዃኖም፡ እቶም ጸኒዖም ዝጸንሑ ቀይድታት ኮሮና ክለዓሉ  ከምዝኽእሉ ሮይተርስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘካይዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ንምልዓል ቀይድታት ኮሮና፡ ማለት፡ ንጉዳይ ማስክ፡ ናይ መገሻ ቀይድታት፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ኣብ ገዛ ኮንካ ምስራሕን ኣመልኪቱ መግለጺ ከመሓላልፍ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ክብል ሮይተርስ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ጆንሶን፡ ንቀይድታት ኮሮና፡ ካብ ዕለት 19 ሓምለ ንኽለዓሉ መደብ ሒዙ’ኳ እንተሃለወ፡ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ግን ዕለት 12 ሓምለ ከመሓላልፎ ምዃኑ ምንጭታት ይሕብሩ። እዚ ናይ ሕጂ ውሳኔ፡ ወላ’ኳ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ እንተሃለወ፡ ብዝሒ ናይቶም ናብ ሆስፒታላት ዝኣትዉ ይኹኑ ዝሞቱ ሰባት ምስቲ መጠን መልከፍቲ ክውስኹ ስለዘይተራእዩ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

እዚ ውሳኔ፡ ምስ ምእታው ወቕቲ ክረምቲ ክመሓላለፍ ትጽቢት’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ደልታ ዝተባህለ ሓድሽ ጅር፡ ዘስዓቦ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮሮና ተደናጒዩ ምጽንሑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com