Tuesday , May 14 2024
(AP Photo/Matt Dunham, Pool) LMD112

ዓዲ እንግሊዝ . . . እዋን ውሸባ፡ ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ከም ዝጎድል ተጌሩ

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ደሞም ንእተረኽቦም ሰባት ዝግበር ናይ ውሸባ ግዜ፡ ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ክጐድል ከም እተገብረ BBC ሓቢራ።

እዚ ናይ ውሸባ ግዜ ክጐድል ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ ክኢላታት ሕክምና ድሕሪ ዝገበርዎ ሓፈሻዊ ገምጋም ኮይኑ፡ ኣብ ቊጠባ ዘሎ ሕጽረት ሰብ ንምምሕያሽ ተባሂሉ ዝተገብረ ውን እዩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ መበል ሓሙሻይን ሻድሻይን መዓልቲ ውሸባ መርመራኦም ኣሉታዊ ምዃኑ ክረጋግጽ ከም ዘለዎ እቲ መምርሒ ኣሚቱ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ 16 ን 17ን ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ናይ ክታበት መደብ ክሕዙ ወይ ኣብ ማእከል ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ማእከላት እናኸዱ ክኽተቡ ክኽእሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ካልኣይ ክታበት ወሲዶም ዝጸንሑ 400ሽሕ ዝኾኑ መንእሰያት ዕድመ ክግበር እዩ። ብድሕሪ እዚ ድማ፡ ናብ 600 ሽሕ ተመሳሳሊ ዕድመ ዘለዎምን ክልተ ግዜ እተኸትቡን ሰባት እናበለ ክቕጽል እዩ። ብተወሳኺ ካብ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦምን ብ ሕማም ኮሮና ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን 500 ህጻናት ቦስተር ክትባት ክወሃቡ እዮም ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብ ብሪጣንያ 70924 ሓደስቲ ሕሙማት እኳ እንተተረኽቡ፡ እዚ ኣሃዝ ካብ 14 ታሕሳስ ንደሓር ካብ እተመዝገቡ፡ እዚ ዝተሓተ ምዃኑ ተመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ 28 መዓልታት ኣብ ብሪጣንያ፡ 88 ሰባት፡ በዚ ሕማም ምሟቶም ተመዝጊቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com