Saturday , May 18 2024
Many white-tailed deer in the United States have been shown to carry COVID-19 viruses. Apparently, deer have been infected by humans. (AP Photo/Keith Srakocic, File)

ዓጋዜናት፡ ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ክኾና ከምዝኽእላ ተገሊጹ

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከቡ ጻዕዳ ‘ዝጭራኦም ዓጋዜናት ከም መተሓላለፍቲ ኮቪድ-19 ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ናይ ተፈጥሮ መጽሔት (journal Nature) ኣብ ዝባሃል ጋዜጣ ዝቐረበ ሓድሽ መጽናዕቲ ጥርጣረታት ከምዘለው ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብቲ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ ኣብ ኦሃዮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ኣብ ዝነበረ ሃደን፡ ኣብ ልዕሊ ዝተቐትሉ ዓጋዘናት መርመራ ኣካይዶም። ካብቶም መርመራ ዝተገብረሎም 360 ዓጋዜናት፡ እቶም 129 (35.8%) ኮሮና ቫይረስ ከምዝነበሮም ተገሊጹ። እዚ ዘብርሆ ነገር እንተሎ ድማ፡ እቶም ዓጋዜናት ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታትን ኣጋጣሚታትን ካብ ሰባት ከምዝተለኸፉ እዩ ዝሕብር።
ካብቶም ዓጋዜናት፡ በቲ መልከፍቲ ዝሓመሙ ከምዘየለው ተፈሊጡ’ሎ። ይኹን እምበር፡ ከምቶም ተመራመርቲ እንተኾይኑ፡ ብዝሒ ዘለዎም እንስሳታት ኣብ ዝህልውሉ ኩነታት ከም ፍልፍል ናይ መልከፍቲ መሳርሒታት ኮይኖም ከገልግሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ጥርጠራታት ኣሕዲሮም ከምዘለው ኣፍሊጦም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣብ መብዛሕትኡ መጽናዕቶም፡ እቲ ቫይረስ ካብ ሓደ ዓጋዜን ናብ ካልእ ከምዝተሓላለፍ ምልክታት ብምርካቦም ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ዋላ’ኳ እቲ ቫይረስ ክሳብ ሕጂ ካብ ዓጋዜን ናብ ሰብ ናይ ምትሕልላፍ ምልክት እንተዘየርኣየ፡ እቲ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ከምዘርአዮ እንተኾይኑ ግና፡ እቲ ምልባዕ እንዳተስፋሕፈሐ እንድሕር ከይዱ፡ እዚ ናይ ምዃን ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኽእል ተገሊጹ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com