Friday , May 17 2024

ዕዳጋታት ስራሕ፡ ክሳብ 2023 ዘሎ እዋን ናብ ንቡር ኣይክምለስን እዩ ተባሂሉ

 

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ክሳብ 220 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት፡ ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ ምዃኖም ዓለማዊ ውድብ ስራሕተኛታት () ሓቢሩ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ዘሎ ድኽመት፡ ነቲ ዝነበረ ዘይምዕሩይነት ኣጋዲድዎ ከምዘሎ፡ በዓል መዚ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻቡ ኣንቢሩ።

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ ክሳብ 205 ሚልዮን ሰባት ክኸውን ከምዝኽእልን ምስቲ ቅድሚ ቅልውላው ለበዳ ዝነበረ ናይ ዓመተ 2019 ዝነበረ ብዝሒ፡ 187 ሚልዮን፡ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝለዓለ ክኸውን ምካኑ ገምጋማት ይተንብሁ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ዓለማዊ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይዚ ዓመት’ዚ 6.3% ከምዝኾነን፡ ንዓመታ ድማ 5.7% ክበጽሕ ከምዝኽእል ገምጋሙ ገሊጹ።

ቀንዲ ግዳያት ሽቕለት ኣልቦነት ኮይኖም ዘለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮን፡ መንእሰያትን እቶም ኣብ ዘይወግዓውያን ጽላታት ዝሰርሑ 2 ቢልዮን ሰባት ምዃኖም ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዓለምና፡ ክሳብ 108 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ብድኽነት ይሳቐዩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com