Sunday , May 19 2024

ዕጡቓት ሁቱ፡ ንኣምባሳደር ኢጣልያ ኣይቀተልናን ይብሉ

ዕጡቓት ዓሌት ሁቱ ዝኾኑ ሩዋንዳውያን ነቲ ኣምባሳደር ኢጣልያ ቀቲልኩም ዝብል ክሲ ብምንጻግ ነዚ ቅትለት ዝፈጸምዎ ሰራዊት ዲ/ሪ/ኮንጎን ሩዋንዳን እዮም ክብል መግለጺ ኣውጺኡ። ሓንቲ ኣሃዱ ካራቢኔሪ ኢጣልያ፡ ነቲ ቅትለት ንምምርማር ትማሊ ሰሉስ ኣትያ ክትከውን ከም እትኽእል ተገሊጹ። ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ዲ/ሪ/ ኮንጎ ምስ ቃፍላይ መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም እናተጓዕዘ ጥቓ ከተማ ጎማ ብዕጡቓት ብዝወረዶ መቚሰልቲ ብሰንበት ምሟቱ ዝዝከር እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኢጣልያን ካልእ መንነቱ ዘይተፈልጠ ኣውቲስታን ምሟቶም መንግስቲ ኢጣልያ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ዲ/ሪ/ኮንጎ እዚ ቅትለት፡ ሓይልታት ምሕራር ሩዋንዳ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ዕጡቕ ዓሌት ሁቱ ዝተፈጸመ ምዃኑ እዩ ዝሕብር። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ንኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነዚ ክሲ ነጺግዎ’ሎ። ኣምባሳደር ኢጣልያ ዝነበሮ ቃፍላይ መካይን ጥቓ ዶብ ሩዋንዳ እዩ ተጠቒዑ፥ ኣብቲ ቦታ ሰራዊት ሩዋንዳን ኮንጎን እምበር ናትና ሓይልታት ኣይንቀሳቐሱን እዮም ክብል ነቲ ክሲ ኣዋዲቕዎ። ኪንሻሳ ኣብ ክንዲ ናብ ዘየድሊ መደምደምታ እትጐዪ ዝያዳ መርመራ እንተዝገብሩ ምሓሸ ኢሉ። እንተኾነ ግና ኣብ ከባባ ኪቩ ዳህሳስ ጸጥታ ዘካይድ ተንታኒ ከም ዘመልክቶ “ሓይልታት ምሕራር ሩዋንዳ” ጥቓቲ መጥቃዕቲ እተፈጸመሉ ቦታ ምንባሮም ኣረጋጊጹ። ንሱ “ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙን ብሓላፍነት ዝሕተቱን ዕጡቓት ሁቱ ሩዋንዳ እዮም” ዝብል መደምደምታኡ ኣንቢሩ”ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com