Friday , May 17 2024

ዕጡቓት ኣባላት ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ካሜሩን፡ ሰባት ይቐትሉ

ናይ ቦኮ-ሓራም እዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ዕጡቓት፡ ኣብ ሓንቲ ብሸነኽ ሰሜን ካሜሩን እትርከብ፡ ቢላጉሲ እተባህለት ገጠር፡ ክልተ ኣንስትን ሓደ ሰብኣይን ቀቲሎም ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ።

እዚ መቕተልቲ፡ ብሰንበት ከም እተኻየደ፡ ኣመሓዳሪ እታ ገጠር ገሊጹ’ሎ። እዛ ገጠር ብሰሜን ወገን ምስ ደጀን ቦኮ ሓራም ከም እትዳወብ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። እዞም ዕጡቓት፡ ብኣጋር ሰራዊትን ብሬናት ዝጸዓና መካይንን ተሓጊዞም ኣብ ከተማ ዉልጎ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም እቶም ረዳት ኮይኖም ዝኣተዉ ሰራዊት ካሜሩን እውን ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ። ኣብዚ ንኣርብዓ ደቓይቕ ዝቐጸለ ኲናት ክልተ ወተሃደራት ካሜሩን ከም እተቐትሉ ወተሃደራዊ ምንጪታት ናይጀርያ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ፡ ብዕጡቕ ጒጅለ ቦኮ-ሓራም፡ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ካብ 2009 ንደሓር 36 ሽሕ ሰባት ምሟቶምን ሚልዮናት ካብ መንበሪኦም ከም እተፈናቐሉን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com