Friday , May 17 2024

ዘይምሕር መስመር ምጥቃዕ ሊቨርፑል ክብሪ ቻምፕዮን ክዕቅብ ብቕዓት ከምዘለዎ የመስክር

ትማሊ ምሸት ትጽቢት መላእ ኣፍቀርቲ ክግብረሉ ዘምሰየ ግጥማ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ብዓብላለነት ሊቨርፑር ተዛዚሙ። ክለብ ኣርሰናል ቅርጺ ዘይብሉ ኣሰላልፋ ብምኽታል ተጻወታ ኣንፈቶም ብምጥፋእ ኩዑሶ  ንምቑጽጻር ዝተሽገርሉ ብቅልጣፈ ተጻወቲ ሊቨርፑል ብፍላይ ንስሞም ናይ ማእዝን ተኻላኸልቲ ግን ድማ ስርሖም ሪኢኻ ካብ ዓጥቃዕቲ ዘይ ሓምቑ ኣለክሳንደር ኣርኖድን ሮበርትሶን  ክድነቑ ዝግብኦም ናይዚ ጸወታ ኮይኖም እዮም።

ቡዝሓት ደገፍቲ ኣርሰናል ለውጢ ጋንትኦም ክርእዩ ዝተመነይሉ ጸወታ ብምንባሩን እንተኾነ ግን እዛ ክለብ ምስላ እንታይ ከምትመስልን እንታይ ከምዝተርፋን ዝተገምገምትሉ እዩ ኮይኑ ሓሊፉ።

እዚ ጸወታ ብዓብላልነት ሊቨርፑል እካ እንተጀመረ ጸወታ ቀዲማ ሸቶ ዝረኸበት ግና  ኣርሰናል ኮይና ካብ ስሕተት ሮበርትሶን ኮይኑ ብ መንገዲ ላካዜት መሪሕነት ዝሓዘትሉ ግን ድማ ኣይጸንሔት ክለብ ሊቨርቡል ብመንገዲ ማነን ን ሮበርትሶን ብምምዝጋብ ብመርሒነታ ናብ ዕረፍቲ ዝምርሓሉን እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ኣርሰናል ንጸወታ ጥንቃቀ ብዝመልኦ እያ ጀሚራቶ ከም ውጺኢት ላካዜቲ ኣብ መበል 68 ፊት ንፊት ምስ ሓላዊ ልዳት ዝተራኸበሉ እሞ ዘምኸና ን ኣስልጣኒ ኣርሰናል ኣርቴታ ኣፉ ብምኽፋት ”ሓደ ቡሉጽ ኣጥቃዒ ብቕዓቱ ዝምዘን ምስ ሓላዊ ልዳት ፊት ንፊት ተራኺቡ ኣብ ዘመዝግበሉ እዋን” ክብል ቅሬትኡ ኣብ ልዕሊ እዚ ተጸዋታይ ገሊጹ ። በዚ ድማ ክለብ ኣርሰናል ምስ መዛኑኣ ክልባት እንታይ ትመስል መልሲ ዝረኸበሉ ኣረቴታ ድማ ገና መስርሕ ምስግጋር ከይተዓጽወ ምሳርዑ ከዕሪ ዘተንብሃሉን እዩ።

በዚ መስረት ሊቨርፑል ብ መንገዲ ዲያጎ ዮታ ሳልሰይቲ ሸቶ ብምውሳኽ ካብ 3 ጸወታታት ሙሉእ ትሽዓት ነጥቢ ብምሓዝ ክብሪ ቻምፒዮንነታ ንምዕቃብ ድሮ ኣብ መሪሕነት ብምቕማጥ ኣብ ምቅላስ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com