Saturday , May 18 2024
Sudanese protest against the military coup. The picture is from Wednesday's demonstrations (AP Photo/Marwan Ali) DV106

ዘይርጉእ ኩነታት ሱዳን

ብረቡዕ፡ ብኣባላት ጸጥታ ሃገረ ሱዳን ብዝተቶከሰ ጠያይት፡ 15 ሰልፈኛታት ድሕሪ ምሟቶም፡ ብሓሙስ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ሃገረ ሱዳን፡ ካርቱም፡ ሓድሽ ናዕቢ ቀጺሉ ከምዝወዓለ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ትማሊ ሓሙስ ንግሆ፡ ነቶም ኣብ ጎደናታት ዝሓደሩ ሰልፈኛታት ንምብታን፡ ፖሊስ፡ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቀመን ድሒሩ ግን፡ እቶም ሰልፈኛታት፡ ከምእንደገና ከምዝተኣኻኸኡን፡ ናብ ፖሊስ ድማ፡ ኣእማን ክድርብዩ ከምዝተራእዩን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ውድቡ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ብረቡዕ መዓልቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተኻየደ ጎነጽ፡ ከምዝኾነኖ ብመንገዲ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሚቼለ ባችለት፡ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት፡ ሓይሊ ዝመላኦ ጎነጽ፡ ብወተሃደራት ክካየድ ከምዝኽእል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓበሬታ በጺሕዎ ከምዘሎ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com