Saturday , May 18 2024

ዛላታን ኢብራሂሞቪች ብኮሮና ቫይረስ ተጠቒዑ

ሽወደናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፡ ዛላታን ኢብራሂሞቪች፡ ብኮሮና ቫይረስ ከም ተለኽፈ ምንጭታት ኣረጋጊጾም። ክለብ ኤሲ ሚላን፡ ሎሚ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘመሓላለፎ፡ ውጽኢት መርመራ ቫይረስ ኮሮና፡ ናይ ኢብራሂሞቪች፡ ኣወንታዊ ምንባሩ ሓቢሩ ክብል SVT ኣቃሊሑ።

ሎሚ ኣንጻር ኖርወጃዊ ክለብ ቦዶ ግሊሚት፡ ኣብ ዝካየድ ውድድር ምጽራይ ክለባት ኤውሮፓ ከምዘይስለፍ፡ ክለብ ኤሲ ሚላን፡ ሓቢሩ።

ውጽኢት መርመራ ናይ ካልኦት ተጻወትን ኣባላት ምምሕዳር’ታ ክለብን ግን ኣሉታዊ ምንባሩ ምምሕዳር’ታ ክለብ ሓቢሮም።

ኢብራሂሞቪች፡ ንመስርሕ ውሸባ፡ ጀሚርዎ ከምዘሎ ክለብ ኤሲ ሚላን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com