Friday , May 17 2024

ዜናታት ስፖርት

ሓድሽ ተጻዋታይ ክለብ ሊቨርፑል ትያጎ ኣልካንታር ብኮሮና ከምዝተታሕዘ ክለቡ ብወግዒ ኣፍሊጣ። ኣልካንታራ ክለቡ ምስ ኣርሰናል ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ከም ዘይተሰለፈ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሒሩ ግን ብኮሮና ከምዝተታሕዘ ተወሺቡ ከምዘሎን ይኹን እምበር ሕማሙ ኣመና ዘሰክፍ ከምዘይኮነን ኣብ ቐረባ እዋን ሓውዩ ናብ ጸወታ ከምዝምለስ ሓኪም  ክለቡ ኣፍሊጡ። ኣልካንታራ ኣብ መጀመርያ ጸወታ 45 ደቔቕ ጥራይ ዝተጻወተ ኮይኑ ኣብዛ ጸወታ 75 ኮዓሳሱ ምስ ደቂ ጋንታኡ ብምቅብባሉ ክብረ ወሰን ፕሪመር ሊግ ክሕዝ ከም ዝበቕዐ ይፍለጥ።

ጸወታታት ዓዲ ጥልያን፡ ብሰንኪ ሕማም ኮሮና፡ ንግዚኡ ደው ናይ ምባል ተኽእሎታት የንጸላልዎ ከም ዘሎ ይዝረብ ኣሎ። ክለብ ጆነዋ፡ 14 ካብ ኣባላታን ተጻወታን በዚ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ድሕሪ ምሕባራ፡ ተጻወቲ ናይታ ናይ መጨረሽታ እዋን መጋጥምታ ዝነበረት ክለብ ናፖሊ፡ ንኽውሸቡ ተነጊሩዎም ኣሎ። ዝላታን ኢብራሂምቪች ውን በዚ ቫይረስ ምልካፉ ናይ ቀረባ ተዘክሮዩ ። ሓለፍቲ ሲራ ኣ ነዚ ኩነታት ብጥብቒ ይከታተልዎ ምህላዎምን ዘድሊ ስጉምቲ ክወስዱ ድሉዋት ሙዃኖምን ኣፍሊጦም።

ብሌስተር ሲቲ፡ 5 ሾቶታት ዝተመዝገቦ ፐፕ ጓርድዮላ፡ ክለቡ 64.3 ሚልዮን ዶላር ከፊላ ንሮበን ዲያዝ ናብ ክለባ ከምዝጸምበረቶ ተፈሊጡ። ማንቸስተር ሲቲ ንኦታመንዲ ኣካል ናይቲ ውዕል ብምግባር ናብ ክለብ በነፊካ ከምዘፋነወቶ ተፈሊጡ። ብመስመር ምክልካሉ ዘይተኣማመነ ዘሎ ጓርድዮላ፡ ንደቪድ ኣላባ፡ ካብ ባየር ሙኒኽ ንምምጻእ ንክለቡ ከም ዝተወከሰ ይንገር ኣሎ።

ትማሊ ምሸት ኣብ መንጎ ቶተንሃም ቸልስን ዝተካየደ ጸወታ፡ ባእሲ ሞሪኖን ላምፓርድን፡ ሓዊስካ ኣዝዩ ህልኽ ዝመልኦ ጸወታ ተኻይዱ። ክለብ ቸልሲ ካብ ሓድሽ ተጻዋታይ ቲሞ ወርነር ዝረኸበታ ብልጽቲ ሸቶ ተሓጊዛ ንቐዳማይ እብረ ጸወታ ብዓብላልነት እኮ እንተመርሐት ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ግን ቶተንሃም ካብ ላሜላ ሓንቲ ሸቶ ድሕሪ ምርካባ ጸወታ ብፍጹም ቅላዕ ክዛዘም ተጌሩ። ሜሰን ማውንት ዝተዋህበቶ ኩዕሶ ስለዝሰሓታ ግን ቸልሲ ካብ ካርቦዋ ካፕ ከም ዝተገለፈት ተረጋጊጹ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com