Sunday , May 19 2024
Siddhant Gumber, (Guinness World Records)

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ተኣምረኛ ህጻን

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝቕመጥ ወዲ 12 ዓመት ህጻን 39 መንገዲ ኣየራት ሎጎ ጭራ ነፈርቲ ብምርኣይ ጥራይ ክረቊሕ ብምኽኣሉ ኣብ ጊኒስ ቡክ ኦቭ ረከርድስ ክሰፍር ምኽኣሉ ተገሊጹ።

እዚ ሲዳርት ጋምበር ዝተባህለ ካብ ሓርያና ህንዲ ዝመጸን ኣብ ኣቡ ዘቢ ዝቕመጥን ህጻን ስእሊ እዘን መንገዲ ኣየራት ዘርኢ ጭራ ነፈርቲ ምስ ቀረበሉ ኣብ ደቒቕ ነዘን 39 ብስም ብምጽዋዕ እዩ ኣብ ክብሪ መዝገብ ክኣቱ ክኢሉ ዘሎ።

ኣዲኡ ብፖወርፖይንት እናተሓገዘ መንገዲ ኣየራት ክፈሊ ከም ዘምሃረቶ እዚ ህጻን ገሊጹ’ሎ። “ፍሉይ ፎቶግራፋዊ ኣእምሮ እዩ ዘለዎ፥ ሓደ ነገር ክርእዮን ኣብ ኣእምሮኡ ክቕረጽን ሓደ እዩ ዝኸውን” ክትብል ኣዲኡ ትምስክር።

“ፈለማ ባንዴራ ሃገራት ከለሊ ኢና ሓሲብና ኔርና። እንተኾነ ግና ናብ ሎጎ መንገዲ ኣየራት ዘንቢልና፥ ምኽንያቱ መንገዲ ኣየራት ፍልይ ዝበለን መሳጢን ሎጎ ዘለወን ምዃኑ ኣስተውዒልና” ክትብል ኣዲኡ ሞኒሻ ጉምበር ን ጋልፍ ኒውዝ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com