Monday , May 20 2024

ማሕበራት መንግስታዊ ጽላት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ፖሊስ ናይ ምሕባር ግዴታ የብልናን ይብሉ።

ከም ሓካይምን መምህራንን ዝኣመሰሉ ሰራሕተኛታት መንግስታዊ ጽላት፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ሰባት ናብ ፖሊስ ክሕብሩ ብዛዕባ ዝለዎም ግዴታ ኣመልኪቱ መርመራ ክገብር ዝብል መምርሒ መንግስቲ ሓያል ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ተዋሂቡ። ብፍላይ ድማ ማሕበር ሓካይም ሽወደን “ኣነ ሓኪም እምበር ፖሊስ ኣይኮንኲን” ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ነዚ ግዴታ ነጺጎሞ ኣለዉ። ኣብ ሽወደን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝቕመጡ ሰባት ዛጊት መሰል ሕክምና፥ ንደቆም ከኣ መሰል ትምህርቲ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዝነውሐን ዝኸበረን መስርሕ ፍርዲ ይጅምር።

እቲ ኣብ ታሪኽ ዝነውሐን ዝኸበረን እተባህለ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ሽወደን ሎሚ ጀሚሩ። ክልተ ላዕለዎት ወከልቲ ነበር ሉንዲን ኦይል፡ ልዕሊ 20 ዓመታት ይገብር ብወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳንን መሻርኽቱ ምልሻ ጃንጃዊድን ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈጸመ ከቢድ ገበናት ኲናት ተሓባባርኩም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኣለዉ። ንሳቶም ነቲ ገበን ኣይወዓልናዮን ክብሉ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።  

Read More »

ሓይሊ ኣየር ሽወደን ነፋሪት ኲናት ብምጥቃም ሳተላይት ክውንጨፍ ድሌት ኣለዎ ተባሂሉ።

ሰራዊት ሽወደን ጃስ 39 ግሪፐን ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ተጠቒሞም ሳተላይት ናብ ጠፈር ክወስዱ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎታት ይምርምሩ’ለው። ካብቲ ኣብዚ ዓመት ዝተመረቐ፥ ኣብ ልዕሊ ኣርክቲክ ሰርክል ዝርከብ ወደብ ጠፈር ኪሩና ኤስራንጅ ሳተላይት ምውንጫፍ ይከኣል እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ሰራዊት ሽወደን፥ ኣብ ኣሸበሸብ ኲናት ተወሳኺ ኣማራጺታት ክድህስስ ከም ዝደሊ ገሊጹ’ሎ። ግሪፐን ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ነዚ ስራሕ ክዓማ ይኽእላ ዶ ይኾና ዝብል መርመራ ዝካየድ …

Read More »

“ፍንጀራ ኖርሾፒንግ ብኢደ ሰብ ዝተፈጸመ ኣይኮነን” ኣኽበርቲ ሕጊ።

ዝሓለፈ ብሰንበት ንግሆ፥ ኣብ ሓደ መንበሪ ኣባይቲ ኖርሾፒንግ ዝተኸስተ ፍንጀራን ባርዕን ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ዘይኮነ፥ ብድንገት ዝተኸስተ ሓደጋ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም። ነቲ ኲነታት ድሕሪ ምምርማር እቲ ፍጻመ ብኢደሰብ ዝተኽስተ ኣይኮነን ክብሉ ደምዲሞም ኣለዉ። በቲ ባርዕን ፍንጀራን ኣስታት 150 ሰባት ካብቲ ህንጻ ግዒዞም ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ።  

Read More »

ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዘጋጠመ ጎነጽ፥ ሓደ ሰብኣይ ንዓመትን መንፈቕን ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ጃርቬ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራ፥ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲን ነቲ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰባትን ብዘጋጠመ ገነጻዊ ዕግርግር ብዝተሓሓዝ፥ ሓደ ሰብኣይ ን 18 ኣዋርሕ ክእሰር ከም እተፈርደ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ሰብኣይ እዚ ፍርዲ ዝተዋህበሉ ምኽንያት ንኻልእ ሰብ ብጣውላ ብምህራሙ እዩ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ገበን ኣይወዓልክዎም ክብል ነቲ ክሲ ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ሂቡ’ሎ።  

Read More »

መብዛሕትኦም ናይ ወጻኢ ድሕረ ባይታ ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ውጽኢት የመዝግቡ።

መብዛሕትኦም ናይ ወጻኢ ድሕረ ባይታ ዘለዎም መንእሰያት፥ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ውጽኢት ዘርእዩ ኮይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ንጡፍ ተሳትፎን ዓብዪ ሕልምን ዘለዎም ምዃኖም ተሓቢሩ። ነዚ ዝገለጸ ብስም ኢ.ኤስ.ኦ ዝወጸ ጸብጻብ ዕዳጋ ሽቕለት እዩ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ 1996 ኣብ ሽወደን እተወልዱ ናይ ወጻኢ ድሕረባይታ ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝገበርዎ ገስጋስ ድሕሪ ምግምጋም እዩ ኣብዚ መደምደምታ በጺሑ ዘሎ። ”ኣብ መንጎ ሽወደናዊ ድሕረ …

Read More »

ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝሰርሑ ሽወደናውያን ብቚጽሪ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም ተባሂሉ።

ኣብ ትካላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክሰርሑ ዝደልዩ ሽወደውያን እናወሓዱ ምምጽኦም፥ ሽወደን ኣብ ትካላት ሕብረት ኤውሮጳ ዘለዋ ውክልና ኸኣ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ንባዕሉ ኣሻቓሊ እዩ ክትብል ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ የሲካ ሮስቫል ገሊጻ። እታ ሚኒስተር፡ ጽላት ዩኒቨርሲታት ሽወደን ፡ ተማሃሮ ኣብ ብራስለስ ንምስራሕ ዘለዎም ተገዳስነት ንኸከዕብዩ ዝያዳ ክሰርሓ ጸዊዓ። “ኣብ ብራስለስ ኣብ ዘለዋ ትካላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስራሕ ኣገዳሲን ህጹጽን ምዃኑ ከረድኦኦም …

Read More »

“ሳይበር-ሰኲሪቲ ሽወደን እኹል ኣይኮነን”-ሓደ ክኢላ።

ሽወደን ንመጥቃዕቲ ሳይበር ተቓላዒት ስለዝኾነት፡ ኣብ መንግስታዊ ጽላት ዘሎ ሃጓፍ ክኢላዊ ዓቕሚ ንምምላእ፡ ኣብ መንጎ መንግስታውን ውልቃውን ተዋሳእቲ ዝያዳ ምትሕብባር ከም ዘድሊ፥ ኣብ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ሓደጋታት ሽወደን ሓላፊ ክፍሊ ድሕነት ሳይበር ከሙ’ውን ውሑስ መራኸቢታት ኦከ ሆልምግረን ዝርከብዎም ክኢላታት ይገልጹ። ኦከ ሆልምግረን ሰበስልጣን ሽወደን ብዓቕሞም ዝተኣማመኑሉ ኲነታት ኣይኮኑን ዘለዉ፥ ምኽንያቱ እቲ ዘድሊ ሞያዊ ዓቕሚ ኣየጥረዩን ይብል። ሰብመዚ መንግስቲ ነዞም ብድሆታት ብፍጥነትን …

Read More »

ማልመ፥ ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ተኻዪዱ።

ፖሊስ ማልሞ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ከባቢ ሮዘንጋርድ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ድሕሪ ዘጋጠመ ጎነጽ ዝመልኦ ናዕቢ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምክትታል ተንቀሳቓሲ ስእሊ ይእክብ ምህላዉ ተገሊጹ። በቲ ጎነጽ ሓደ ጋራጅ፣ ማሽን ዳግመ-መመስርሒን ኣስታት 20 መካይንን ብሓዊ ኣብ ልዕሊ ምቅጻለን፥ ኣብ ልዕሊ መካይን ፖሊስ ኣእማን ከም እተደርበዩ ተሓቢሩ። ብሰንበት ኣብ ኣውራጃ ቫርንሄም፥ ሳልዋን ሞሚካ ቅዳሕ ቁርኣን ብምቅጻሉ እዩ እዚ ዕግርግር ተላዒሉ። በቲ ዝተላዕለ …

Read More »

ኖቤል ፋውንዴሽን ካብ ሩስያ፣ ቤላሩስን ኢራንን ኣምባሳደራት ናይ ምዕዳም ውሳኔኡ መሊሱ ሰሪዙ።

ፋውንዴሽን ኖቤል ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኖቤል ካብ ሩስያ፣ ቤላሩስን ኢራንን ዝመጹ ኣምባሳደራት ክዕድም ንዝገበሮ ውሳነ፥ ምስራዙ ገሊጹ። ካብ ንቡር ኣሰራርሓ ብዝወጸ ኣገባብ፡ ዓሚ ወከልቲ እተን ሃገራት ኣብቲ ፍጻመ ከም ዘይተዓደሙ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን’ምበር እቲ ፋውንዴሽን ዝሓለፈ ሰሙን፥ ወከልቲ ኩለን ሃገራት ናብቲ ናይ ሎሚ ዓመት መደብ ክዕድም ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ካብ ፖለቲከኛታት ሽወደን፥ ከምኡ’ውን ፕረሲደንት …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com