Saturday , May 18 2024

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኖርወይ ወርሓዊ ደሞዝ ብ4.2% ወሲኹ ተባሂሉ።

ካብ ዓመታት 2020 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ግምጋም ደሞዝ ኖርወይ ብ 4.2% ምውሳኹ ተገሊጹ። እዚ ወሰኽ ኣብ 2020 ካብ ዝነበሮ ማለት 2.2% እንክነጻጸር ብዕጽፊ ምዕባዩ ዘርኢ እዩ ክብል ስታቲስቲክስ ኖርዌይ ኣረዲኡ። ኣብ 2019 እውን ኣብ ግዜኡ ዝበዝሐ እተባህለ ምውሳኽ ደሞዝ ተጌሩ ምንባሩ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ሕዳር 2021 ዝነበረ ናይ ምሉእ ግዜ ደሞዝ ብማእከላይ ገምጋም 50,790 ክሮና ኖርወይ እዩ ኔሩ። ኣብ ወርሓ ሕዳር ናይታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት እቲ ወሰኽ 2000 ክሮና ኖርወይ ምንባሩ እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኖርዌይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምውሳኽ ደሞዝ ዝተኸስተ ብኽልተ ምኽያታት እዩ። ኣብ ዓመተ 2021 ኣዝዩ ብዙሕ ባዶ ናይ ስራሕ ቦታ ብምንባሩ እቲ ቀዳማይ ክኽውን እንከሎ ካብ 2020 ኣትሒዙ ተደናጒዩ ዝጸንሐ ናይ ደሞዝ ጒዳይ እዮም ክብል ኣብ ስታቲስቲክስ ኖርዌይ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሃንከን ግሪኒ ኣመልኪቱ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com