Saturday , May 18 2024
Frost clings the the branch of a tree after low temperatures froze a morning fog in Carmel, Ind., Friday, Feb. 12, 2010. (AP Photo/Michael Conroy)

ዝመጽእ ቀዳመ ስንበት ዝሑል ኩነታት ኣየር ክህሉ ሙኻኑ ይሕበር።

ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት  ዛሕሊ ዝዓብሎሎ ኩነታት ክህሉ ሙኻኑ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ይእምት። ብመሰረት ሓበሬት እዚ በዓል መዚ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብጸሓይ ዝተሰነየ ዛሕሊ ዝዓብለሎ ቀዳመሰንበት ክህሉ ይኹንምበር  ኣብ ደቡባውን ማእከላይ ሽወደን ጸሓይ ብርትዕቲ ስለ ስለትብል፡ ጸሓይ ብምጽላው ሙቐት ኪርከብ ክንክእል ኢና።

ኪኢላ እዚ ዓውዲ ዝኾነ  ጆን ዮርፕላንድ ክምዚ ዝስዕብ ይትንበ  ኣብ ደቡብ ሽወደን ካብ 5-10 ዲግሪ ሙቐት ኪህሉ ከሎ፡ ኣብ ሰሜን ግን  ስጋብ ትሕቲ ዜሮ ዝበጽሕ ዛሕሊ ክህሉ ይጽበ። ንሱ ወሲኹ ኣብዚ ዘለናዮ ወቕቲ እቲ ኩነታት ኣየር ተለዋዋጢ ኮይኑ ኣብ ገል ክፋል ዝናም ውን ኪህሉ ይኽእል እዩ። ከማውን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ተገለባባጢ ኩነታት ኣየር ምህላው ልሙድ እዩ።  በዚ መስረት ጸሓይ ጸኒሑ ዝናብ ይመጽእ ይብል ዮርፐላንድ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com