Saturday , May 18 2024

ዝመጽእ ዓርቢ በረድ ከምዝህሉ ሜትሮሎጂ ሽወደን ይትንበ።

ብመስረት ክፍሊ ትንበያ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ዝሑል ኩነታት ኣየር ክህሉን ኣብ መብዛሕቱኡ ክፍል ሽወደን ድማ በረድ ዝዓበለሎ ዝሑል ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ይግምት።

እዚ ክፍሊ ወሲኹ ብስነኪ ማይን በረድን ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ኣብ ሰሜናዊ ክፍላ እዛ ሃገር ደቡባዊ ክፋል ኣዝዩ ከምዝተሃሰየን ብምግላጽ ከባብታት ስቶኮልምን ዮተበርን ግን ብፍሉይ ካብ ካልእ ከባብታት ብዙሕ ዘይኮነ በረድን ማይ ከምዝህሉ ገሊጾም።

በዚ መሰረት እዚ በረድ ንውሱን ግዜ ኮይኑ ካብ ዝቕጽል መዓልታት በብቑርብ ግን ጸሓይ ክተረኤ ሙኻና ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com