Sunday , May 19 2024

ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ፡ ንገበነኛታት መንእሰያት፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክሰጋገሩ ይድግፉ

መብዛሕትአን ኣባላት ባይቶ ሽወደን ዝኾና ሰልፍታት፡ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ገበነኛታት መንእሰያት፡ ካብቲ ዝእለይሉ ቦታታት፡ ናብ ቤት ማእሰርታት ክሰጋገሩ ንዝብል ሓሳብ ከምዝድግፉ ውጽኢት ዳህሳስ ጋዜጣ ዳግኒዝ ኒሄተር ሓቢሩ።

እዚ ሓሳብ፡ ከም እማመ ኮይኑ ኣብ ባይቶ ሽወደን እንተድኣ ቀሪቡ፡ ድጋፍ ናይ 205 ካብ 349 ኣባላት ክረክብ ምዃኑ እቲ ዳህሳስ ይሕብር። ነዚ ሓሳብ፡ ብጀካ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሚልዮፓርትየትን ቬኒስተርን ካልኦት ኩለን ሰልፍታት ዝድግፈኦ ምዃነን ድማ ገሊጹ።

እዞም ፖለቲከኛታት እዚኣቶም፡ ነዚ ሓሳብ ዝድግፍሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ በዓል መዚ ቤት ማእሰርታት ሽወደን፡ ዓቢ እምነት ስለዘለዎም ምዃኖም ሓቢሮም።

ካብ ዓመተ 1999 ጀሚሩ፡ ነቶም ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 15 ን 17 ዓመት ዝኾኑ፡ ናይ ዝምታ፡ ቅትለትን ካልእ ሓደገኛ ገበናትን ዝፈጸሙ መንእሰያት፡ ኣብተን ብሃገራዊ ኮሚቴ ትምህርቲ ዝመሓደራ መደበራት መናበይ መንእሰያት፡ ካብ 14 መዓልታት ክሳብ 4 ዓመታት ዝኣክል ግዜ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com