Friday , May 17 2024
People sit and relax after receiving their Pfizer-BioNTech vaccination at Salisbury Cathedral in Salisbury, England, (AP Photo/Frank Augstein) FAS107

ዝበዝሑ እንግሊዛውያን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ተኸቲቦም

ዳርጋ ኩሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ እንግሊዛውያን፡ እንተወሓደ፡ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ ሚኒስተር ጥዕና እንግሊዝ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ መደብ፡ ቅድሚ እቲ ንሎሚ ሰኑይ ክለዓል ተወጢኑ ዘሎ ቀይድታት ኮሮና፡ ዕላምኡ ምህራሙ ተገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ፡ 87.8% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ እንግሊዛውያን፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ልዕሊ ክልተ ካብ ሰለስተ ሰባት ድማ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።

ኣብ ሃገረ እንግሊዝ፡ ብሰንኪ ደልታ ዝተባህለ ጅር ኮሮና፡ ምስፍሕፋሕ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ንመጀምርታ እዋን፡ ካብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ከምዝርከብ ጸብጻባት ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com