Friday , May 17 2024
meat processor JBS (AP Photo/David Zalubowski, File) NYBZ105

ዝዓበየ ኲባንያ መመስርሒ ስጋ: መጥቃዕቲ ሳይበር ወሪድዎ

ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ኲባንያ መመስርሒ ስጋ፡ JBS፡ ብዝተራቐቐ ሳይበር መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ተገሊጹ።

መርበባት ኮምፕዩተር እዚ ኲባንያ በዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምስርሳረን፡ ኣብ ሃገራት ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ካናዳን ዝነበረ ስራሕ ብግዜያውነት ደው ብምባሉን ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ብኣሉታ ተጸልዮም ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዕዳጋታት። ሕጽረት ቀረብ ስጋ ክህሉ ወይ’ውን ክብሪ ዋጋ ከኸትል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

በጃ ንኽኽፈሉ መጥቃዕቲ ሳይበር ዘካይዱ ጒጅለታት ገበን፡ ክንድዚ እንተ ዘይከፊልኩም መስርመራት ኩባንያታትኩም ብምስርሳር፡ ፋይላትን ሰነዳትን ክንድምስስ ኢና ብምባል፡ ንቡር ስራሕ ኲባንያታት ከም ዘሰናኽሉ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሩስያ ኮይኑ ካብ ዝዓዪ ሓደ ጒጅለ ገበን እዩ ተኻዪዱ፡ ክትብል ኣፈኛ ዋይት ሃውስ፡ ካሪን ዢንፒረ፡ ገሊጻ። ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ መርመራታት (FBI)፡ ነቲ ጒዳይ ይምርምሮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

JBS፡ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ኣቕራቢ ስጋ ኮይኑ፡ ኣብ 15 ሃገራት ዝዓያ ልዕሊ 150 ትካላት ከም ዘለዉዎ ይፍለጥ። እዚ ኣብ 1953 ኣብ ብራዚል ብ ሆዜ ባቲስታ ሶብሪንሆ ዝተመስረተ ትካል፡ ክሳብ 150 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣብ ትሕቲኡ ቖጺሩ ዝሰርሕ ኩባንያ እዩ። ክሳብ ርብዒ ካብ ጠቕላላ ጠለብ ስጋ ኣመሪካ ካብዚ ኲባንያ ከም ዝርከብ እውን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com