Saturday , May 18 2024

ዞባ ዳላርና ንሰራሕተኛታት ናይ ክታበት ፓስፖርት ክሓትት ምዃኑ ኣፍሊጡ፡

ምምሕዳር ዳላርና፡ ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ንሰራሕተኛታቱ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምሕታት ከተኣታቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብላ ጋዜጣታት ዳላርና ጸብጺበን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓበሩ፡፡

ስለዚ ድማ እቲ ምምሕዳር፡ ካብ ሰራሕተኛታት ምስክር ወረቐት ክታበት ዝሓትት፡ ካብ መላእ ሃገር ናይ መጀመርታ ምምሕዳር ክኸውን እዩ ተባሂሉ፡፡ እዚ ብዛዕባ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ዝወሃብ መምርሒ፡ ንሓደስቲ ዝተቖጽሩን ንነባራት ሰራሕተኛታትን ዝምልከት ከም ዝኾነ እቶም ጻብጻባት ኣመልኪቶም፡፡

እዚ ኣብ ሓደ ናይ ቦርድ ፍሉይ ኣኼባ ዝተወስደ ውሳነ፥ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዘይከእሉ ሰራሕተኛታት ንሓደጋ ምስ ዝቃልዑ ናብ ካልእ ቦታ ይግዕዙ ወይ ይቕየሩ ዝብል ከም ዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ፡፡

እቶም ገና ዘይተኸትቡ ግን ከኣ ክኽተቡ ዝደልዩ ሰባት ግን ኣብ ሰዓታት ስራሕ፡ ክታበት ክወሃቦም ምዃኑ ብተወሳኺ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ናብቲ ሓድሽ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምርግጋጽ ዝወስድ መንገዲ፡ ሓጎጽጎጽ ዝመልኦ ከምዝነበረን ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኣክል መርመራታትን መጽናዕታትን ከምዝተኻየዱን፡ ድሕሪ ምባል፡ ኩለን ናይ ንግዲ ማሕበራት፡ ነቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣመልኪተን፡ ብዛዕባ ክመጽእ ዝኽእል ብድሆታት፡ እኹል መጽናዕቲ ኣይተገብረን ክብላ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ክቋወማ ጸኒሐን። ስለዚ ድማ፡ እቲ ቅድሚ በዓል ልደት ኣብ ዝነበረ መዓልታት ዝተገብረ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ከም ዝተዛዘመ ይዝከር፡፡

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ብቑዕ ዝኾነ መብርሂ ምሃብ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ምቕራብ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምቕራብን ካልእን ምዃኑ ተገሊጹ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ጋህዲ ኮይኑ ኣብ ትግባረ በጺሑ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com