Friday , May 17 2024

የመን. . . ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ንጉጅለ ሑቲ የጥቅዕ

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ትማሊ ሰንበት፡ ነታ ብኢራን ይሕገዝ እዩ ዝበሃል ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ፡ ዝተቘጻጸራ ከተማ ሰንዓን ካልኦት ዓድታትን ብነፈርቲ ምድብዳቡ ድምጺ ኣመሪካ ኣቃሊሑ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ወተሃደራውን ትካላት ነዳድን ዘይትን ስዑዲ፡ ዕላማ ዝገበረ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ንሲቪልን ሲቪላውያን ትካላትን ዕላማ ዝገብር ፍጹም ኣይንጻወርን ኢና ዝብል መርገጺ ስዑዲ ዓረብ ምዃኑ ኣፈኛ እቲ ልፍንቲ፡ ቱርኪ ኣልማሊኪ፡ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ፕረስ እታ ሃገር ገሊጹ።

ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ንልፍንቲ ዝህቦ ሓገዝ፡ ደው ከም ዘብሎን ንጉጅለ ሑቲ ድማ ካብ መዝገብ ኣሸበርቲ ጒጅለታት ከም ዝኣለዮን ድሕሪ ምግላጹ፡ ብፍላይ እዚ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝለዓለ ደረጃ ምቕጻሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

መርገጺ ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ነቲ ዕጡቕ ጒጅለ ተወሳኺ ድርኺት ከም ዝሃቦ ስዑዲ ዓረብ፡ ትገልጽ። መጥቃዕታት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዜጋታት ብዙሕ ጒድኣት እኳ እንተዘየብጽሐ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ዘብጽሖ ጉድኣት ግን ኣብ ዕዳጋታት ነዳዲ ዓለም ምምዝባል ምፍጣሩ ተንተንቲ ቊጠባን ፖለቲካን ማእከላይ ምብራቕ ይገልጹ።

ተቐማጦ ሰንዓ፡ ኣብታ ከተማ ብርቱዕ ነትጒ ከም ዝሰምዑ ንድምጺ ኣመሪካ ምሕባሮምን ይኹን እምበር፡ ዛጊት ዝተጐድኡ ሰባት ከም ዘየለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com