Friday , May 17 2024
Pentagon spokesman John Kirby speaks during a briefing at the Pentagon in Washington, Monday, Jan. 24, 2022. (AP Photo/Manuel Balce Ceneta) DCMC105

ዩክሬይን . . . ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ 8500 ዝኾኑ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ተበገስ ዝብል ትእዛዝ ንምስማዕ ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዎም ፔንታጎን ገሊጹ።

ሩስያ፡ ናብ ዶብ ዩክሬይን 100 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣጸጊዓ’ኳ እንተሃለወት፡ ነታ ሃገር ናይ ምውራር መደብ ከም ዘይብላ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ ኣላ። ሃገራት ምዕራብ፡ ንተጻብኦ ሩስያ፡ ብናይ ሓባር ስትራቴጂ ንምምካት ኣብ ዝንቀሳቐሳሉ ዘለዋ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ትማል ሰኑይ ምስ ኣውሮጳውያን መሻርኽቱ ናይ ቪድዮ ዘተ ምክያዱ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ ይዂንምበር ሰራዊት ክዋፈር ኣለዎ’ዶ – የብሉን ኣብ ዝብል ጒዳይ፡ ዛጊት ኣብ ውሳነ ኣይተበጽሐን ክብል ፔንታጎን ገሊጹ’ሎ። እዚ ዝኸውን ካልኦት ምዕባለታት ስዒቦም ኔቶ ግብረ መልሲ ዝህብ ሓይሊ ከንቀሳቕስ ምስ ዝውስን ጥራይ እዩ ክብል ወሃብ ቃል ፔንታጎን፡ ጃን ኪርቢ፡ ገሊጹ’ሎ።

ስፔይን፥ ፈረንሳን ኔዘርላንድን ዝርከበአን ኣባላት ኔቶ ዝኾና ሃገራት፡ምክልኻል ምብራቕ ኣውሮጳ ንምድንፋዕ ናይ ውግእ ነፈርቲን መራኽብ ውግእን ንምስዳድ ኣብ ምድላው ምህላወን እዩ ዝግለጽ። እዚ እናኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት 90 ቶን ዝኽውን ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣመሪካ ናብ ዩክሬይን ምእታዉ ቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com