Saturday , May 18 2024
A Delhi police officer stands guard as other personnel patrol Connaught Place, (AP Photo/Altaf Qadri) AQX102

ደልሂ፥ ብሰንኪ ብርቱዕ ለበዳ: ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጃ

ህንዲ: ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ-19: ተአንግድ ኣብ ዘላትሉ እዋን: ከምኒ ደልሂ ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር: ብሓደስቲ ሕሙማት ኣዕለቕሊቐ ምህላወን ይገለጽ ኣሎ።

ብሰሉስ ጥራይ: 37,379 ሓደስቲ ልኹፋት ኮቪድ-19 ከም እተረኽቡ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ: እዚ ድማ ሓሙሽተ ዕጽፊ ናይቲ ቅድሚ ሳምንታት ዝረአ ዝነበረ ኣሃዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ። እዚ ምውሳኽ ሕሙማት ብሰንኪ እቲ ኦሚክሮን ዝተባህለ ጅር ቫይረስ ይኽሰት ምህላዉ እውን ተገሊጹ። ሓደ ሲሶ ካብዞም ሕሙማት ካብ ከተማታት ደልሂን ሙምባይን ከም ዝመጹን ኣብዘን ከተማታት እዚ ቊጽሪ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉን ተመልኪቱ’ሎ። በዚ ድማ እዘን ከተማታት ን ለበዳ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት: ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጀን ኣለዋ።

ሓላፊ ሓይሊ ዕማም ክትባት ህንዲ: ዶ/ር ኤን ከይ ኣውሮራ (NK Arora): ብሰንኪ ጅር ኦሚክሮን ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ-19 ኣብ ህንዲ ተኸሲቱ ምህላዉ ምስ ሓንቲ መደበር ተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ። ኣብ ከተማ ደልሂ ካብ እተወስዱ ቅምሶታት: እቶም 81% ቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ ደሞም ከም እተረኽቦም ሚኒስተር ጥዕና ደልሂ: ሳትየንዳር ጃይን: ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com