Friday , May 17 2024

ደቡብ ሱዳን፡ 60ሽሕ ክታበት ኮቪድ፡ ክትጒሕፍ መዲባ

ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ሱዳን፡ ግዜኡ ንዝሓለፎ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ከየዕኑ ካብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንዝቐረበሉ ምኽሪ ብምንጻግ 60ሽሕ ክታበት ኮቪድ ከዕኑ ምውሳኑ፡ ተቖጻጻሪ ለበዳ ኮቪድ እታ ሃገር፡ ሪቻርድ ላኩ፡ ገሊጹ’ሎ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እዚ መድሃኒት ካብ ፍርያት ክሳብ 18 ኣዋርሕ ኣብ ጠቕሚ ክውዕል ይኽእል እዩ ብምባል ብዛዕባ ኣጠቓቕማኡ ድማ ካብቲ ውድብ መምርሒ ክጽበዩ ለበዋ ኣቕሪቡ ኔሩ። እንተኾነ ግና ዶ/ር ላኩ፡ እቲ ዘሎ እንኮ ኣማራጺ፡ ነዞም ክታበት ምዕናው ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ በዓልመዚ ምድላውን ምዕቃብን ጥዕና ዓለም፡ ዋማላ ዮሴፍ ፍራንሲስ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ከምዚ ዝበለ ኲነታት እንከጋጥም፡ እቲ ኣፍራዪ ዝኾነ ኩባንያ፡ ብዛዕባ እዞም ክታበት፡ ተወሳኺ መርመራታት ክገብርን እቲ ዝወድቀሉ ግዜ ዘናውሓሉ ኣገባብን ከም ዝውስን ምግባር ይከኣል እዩ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com