Friday , May 17 2024
(AP Photo/Jerome Delay) XJD109

ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ ንምዕጋት ጽንክር ዝበሉ መምርሒታት ኣተኣታትያ

ደቡብ ኣፍሪቃ: ሳልሳይ ማዕበል ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ጽንክር ዝበሉ ሓደስቲ መምርሒታት ምትእትታዋ ፕረሲደንት እታ ሃገር: ሲሪል ራማፎሳ: ገሊጹ።

ብመሰረት እዚ ንዝቕጽላ ክልተ ኣዋርሕ መሸጣ ኣልኮል ኣብ ኲሉ ምትእኽኻባት እንተላይ ሃይማኖታዊን ፖለቲካዊን ምትእኽኻባት ክኽልከል እዩ።

እዚ ፈለማ ኣብ ህንዲ ከም እተረኽበ ዝንገረሉ ደልታ ዝተባህለ ጅር ቫይረስ ኮሮና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እናዕብለለ ይመጽእ ኣሎ ዝበለ እቲ ጸብጻብ ትማል ሰንበት ጥራይ 18 ሽሕ ሓደስቲ ሕሙማት ተረኺቦም ኣለዉ ኢሉ።

ፍጥነትን ስፍሓትን እዚ ለበዳ ብምርኣይ ተጻዒኑ ዘሎ መምርሒታት እኹል ኣይኮነን፥ ስለዚ ድማ ዜጋታት ኣዝዮም ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ ፕረሲደንት ራማፎሳ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

“ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ እቲ ዝኸፍአ ጅር ቫይረስ እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ። ቊጽሪ ግዳያት እዚ ሳልሳይ ማዕበል እውን ካብቶም ዝቐደሙ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ ክኸውን” ኢሉ።

ሃገርና ኣብ ዝለዓለ ብድሆ ትርከብ ኣላ፥ ኣገልግሎታት ጥዕና ጸንቂቕና ኢና ንዓዪ ዘለና ክብል ዜጋታት ነቒሖም ጥዕናኦም ክሕልዉ ተላብዩ።

ካብ 59 ሚልዮን ህዝባ ገና 2.5% ጥራይ ተኸቲብዋ ዘሎ ደቡብ ኣፍሪቃ መጠን ክትባት ዘገምታዊ ምዃኑ ጸብጻባት ጥዕና የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com