Sunday , May 19 2024
Former South Korean President Park Geun-hye during a news program at the Seoul Railway Station in Seoul, South Korea (AP Photo/Ahn Young-joon) SEL102

ደቡብ ኮርያ፡ መንግስታዊ ምሕረት ትገብር

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ ሙን ዠ ኢን፡ ንፕረዚደንት ነበር፡ ፓርክ ግወን-ህየ፡ መንግስታዊ ምሕረት ከም ዝገበረላ ተፈሊጡ።

ግወን-ህየ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብሰንኪ ዝፈጸመቶ ብልሽውናን ምስግዳድን ን 22 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ግወን-ህየ ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ተመሪጻ ካብ ስልጣን እተኣልየት ፋልመይቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር እያ። ንሳ ኣብዛ ዓመት ጥራይ ሰለስተ ሳዕ ብሕዱር ቃንዛ መንኲብን ታሕተዋይ ሕቖን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክትከታተል ከም እተገብረ ካብታ ሃገር ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ። 69 ዝዕድሜኣ ግወን-ህየ ብምሕረት ክትፋኖ ዝተገብረሉ ቀንዲ ምኽንያት ብሰንኪ ዘለዋ ጥዕናዊ ጸገም እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብብልሽውና ተኸሲሳ ካብ 2015-17 ንኽልተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐት ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ሃን ምዮንግ-ሱክ፡ እውን ምሕረት ተጌሩላ ወጺኣ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዤ ኢን ንሕቶ ምሐረት ክነጽግ ብምጽንሑ እዚ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ምግራም ፈጢሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com