Saturday , May 18 2024

ደንማርክ ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ ወጻእተኛታት መበቆላዊ መንነቶም ኣብ ወግዓዊ ኣሰራርሓ ክታኣታቶ ትደሊ።

ሚኒስተር ጉዳይ ወጻእተኛታትን ውህደትን ሃገረ ዴንማርክ ኣብ እታ ሃገር ንዝውለዱ ናይ ወጻኢ ሃገር ሞቦቆል
ዘለዎም ሰባት ፡ ኩነታት ድሕረ ባይትኦም ኣብ መዝገብ ክትሓዝ ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣባል ሶሻል ዲሞክራት ዝኾነ ሚኒስተር ማቲያስ ተስፋየ ፡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ዴንማርክ ወጻእተኛታት ምስ
ደቂ ዓዲ ንምፍላይ ወጻእን ውሽጥን ዝብሉ መጸውዒ ኣብ ስራሕ ከም ዝጸንሑን ፡ እዚ ግን እኹል ስለ ዘይኮነ
ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ምስራሕ ገበን ካብ ማእከላይ ምብራቅ ሴሜን ኣፍሪቃ ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ክፍሊ ዓለማት
ብልክዕ ዝመጽሉ ቦታ ተጠቂሱ ክዝረብ ኣገዳሲ ምኻኑ ኣብቲ ዝሃቦ መብርሂ ኣፍሊጡ።
ከም ዝፍለጥ ኣብ ዴንማርክ ብኣልማማ ወጻእተኛታት ብምባል ዝወሃብ መግለጺ ንብዙሓት ናይ ወጻኢ መቦቆል
ዘለዎም ዴንማርካውያን ከም ዘሰክፎም ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com