Saturday , May 18 2024

ዳህሳስ፦ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጉዳይ ክርክር ሞግዚትነት፡ ንህጻናት ሸለል ይብል ተባሂሉ

ኣብ መንጐ ወለዲ፡ ብጉዳይ ሞግዚትነት ክርክር ኣብ ዝለዓለሉ እዋን፡ ህጻናት ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሓደ ሓገዝ ከም ዝረኽቡ ኤኮት ዘዳለዎ ሓዲሽ ዳህሳስ ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ከምዚ ዝበሉ ጉዳያት ኢዱ ካብ ምእታው ስለ ዝቑጠብ እዩ። እዚ ይኹን እምበር፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንጉዳይ ህጻናት ሸለል ከይበለ ኣቓልቦ ክህብ ከም ዝግባእ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።  

ኣብ እዋን ክርክር ሞግዚትነት፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ህጻናት ንምሕጋዝ ዝኾነ ጻዕሪ ዘይምክያዱ ዘሻቕል እዩ ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፕሳላ መምህር ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝኾነት ፕሮፌሰር ኤልሳቤጥ ኒስማን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ። ህጻናት፡ ናይ ድሕሪ ግርጭት ወለዲ ዝህሉ ኣድራዕ ዝስከምዎ ንሳቶም እዮም ድማ ኢላ።

ካብ ተሳተፍቲ እዚ ዳህሳስ፡ 688 ሰራሕተኛታት፡ መንእሰያትን ህጻናትን ኣብ ምምርማር ተመኩሮ ከም ዘለዎምን ብሕጊ ኣብ ዝረአ ጉዳይ ሞግዚትነት ኢዶም ከእትዉ ከም ዘይደልዩን እዮም ዝገልጹ።

ሕክምና ስነኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ትሕቲ መርመራ ውሳነ ሞግዚትነት ዝርከቡ ህጻናት፡ ናይ ዝርራብ ጸገማት ስለዘለዎም፡ ረኺብካ ንኸተዘራርቦም ዝኸብድ እዩ ክትብል ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ሓላፊት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝኾነት ኡሳል ቱለን ትገልጽ።

ብርክት ዝበላ፡ ኣብ ክንክን ህጻናት ዝነጥፉ ወገናት፡ ኣብ ክንዲ ወለንታዊ ለበዋ ዝያዳ ኣገደድቲ ስጒምቲታት ክውሰድ ዝጠልባ እየን። ህጻናት፡ ክንክንን ሓገዝን ኣብ ዝደልይሉ እዋን፡ ሕጋዊ ኣገባባት ከይተጸበዩ ስጉምቲ ዝወስዱ ሰራሕተኛታት ኣለዉ። ገለ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ግና ክሳብ ሕጋዊ መስርሕን ውሳነን ዝዛዘም ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ይቚጠቡ። “እዚ ግጒይ ኣገባብ እዩ” ትብል ኒስማን። “ህጻናት ኣብ እዋን መስርሕ ሕጊ እውን ዘድሊ ክንክን ክረኽቡ ይግባእ እዩ” ክትብል ድማ ትማጎት።

“ኣዋጅ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዝሕብሮ፡ ክንክን ህጻናት፡ ከም ቅድመ ኲነት እዩ ዘቐምጦ” ክትብል ቱሊን ይሕብር።

ካብቶም 2346 ብወዝቢ እተሓርዩ ተሳተፍቲ ናይቲ ዳህሳስ ዝኾኑ ኣባላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ እቶም 918 ሰራሕተኛታት ነዚ ናይ ዳህሳስ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ምትሕብባሮም ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com