Saturday , May 18 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ዳድጉስታር፡ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ክንከውን ንደሊ ኢና ትብል

እቲ ሰልፊ ጸጋማይ ክንፊ መሰረት ናይቲ ብሶሻል ዲሞክራትና ዝምራሕ መንግስቲ ኣካል እንድሕር ኮይኑ፡ እቲ ሰልፊ ንባዕሉ ኣብቲ መንግስቲ ናይ ምእታው ድልየት ከም ዘለዎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

 “እቲ መጀመርያ ክንገብሮ ዘለና ነገር ኣብቲ መንግስቲ ምእታው እዩ፡ ኣካል ናይቲ መንግስታዊ ምትሕግጋዝ ብምዃን ኢና ኣብ ፖለቲካ ዝለዓለ ጽልዋ ከነንብር እንኽእል” ክትብል መራሒት ሰልፊ V ዝኾነት ኑሺ ዳድጎስታር ገሊጻ።

ከም ዳድጉስታር እንተኾይኑ፡ እቲ ንሳ ትመርሖ ውድብ፡ ዓሚ ጥራሕ ሰልፊ V ብዙሓት ጉዳያት ብዝምልከት ንኽትግበሩ ምኽንያት ዝኾነ ሰልፊ ከም ዝኾነ ከርእይ ከምዝኽእል እያ ትገልጽ። ንሳ ነቲ freer renting in new production፣ ኣብ ጥዕና ኢንሹራንስ ዝግበሩ ለውጥታትን ንፔንስዮነራት ዝግበር ናይ ሓገዝ ዋሕስ ብዝምልከት ቀሪቦም ንዝነበሩ እማመታት ንኸይሳኽዑ ምኽንያት ንዝኾነ ናይ ዘይምትእምማን ኣጋጣሚ ከም ኣብነት ብምጥቃስ እያ ትዛረብ።

 “ሽወደን እንደገና ሓያል ናይ ማሕበራዊ ድሕንነት መስርሕ ዘለዋ ሃገር ክትከውን እንድሕር ኮይና ንሕና ኣብቲ መንግስቲ ክንኣቱ ኣለና” ክትብል ዳድጉስታር ኣብቲ ምስ ጋዜጠኛታት ዝነበራ ናይ ባይቶ ዋዕላ ገሊጻ።

ናይ መልዕሎ ወሰኽ ሓደ ካብቲ ቀሪቦም ዝነበሩ ረቛሒታት ኮይኑ፡ እዚ ድማ  V ንማግዳሌና ኣንደርሶን ካብ ስልጣና ክትለቅቕ ዝገበረትሉ ምኽንያት ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ። ንመጻኢ’ውን  V ንካሊእ ልዕል ዝበለ ወሰኽ ናይ መልዕሎ ጠለባት ከቕርብ ምዃኑ ውጥን ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ።

 “ናይ መልዕሎ ወሰኽ ክገብር ዘይፈቅድ መንግስቲ ናይ ምጥያሽ ሓሳብ የብልናን” ክትብል ዳድጎስታር ኣፍሊጣ።

እቲ ዋና ትኹረት ግና ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ምውሳን ምኽኣል ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀውዒ ኣብ ዝግበር መረጻ ብተግባር ናይ ሚኒስተርነት ቦታታት ምውናንን ከም ዝኾነ ዝፍለጥ’ዩ።  

 “ናብ ምርጫ ንኸደሉ ምኽንያት ኣብቲ መንግስቲ ቦታ ንምሓዝ’ዩ፡ ካሊእ ስራሕ የብልናን” ክትብል እታ ኣብቲ ናይ ጸጋማይ ክንፊ ኮንግረስ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ጻንሒት ጥራሕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን እንደገና ሓላፊት ኮይና ክትምረጽ ተዳልያ ዘላ ዳድጉስታር ኣፍሊጣ።

ብዛዕባ ሶሻል ዲሞክራተና ብዝምልከት ከም ሓደ ናይ መንግስታዊ ሰነድ እንተኾይኑ፡ ንጸጋማይ ክንፊ፣ ማእከላይ ሰልፊን ግሪን ሰልፊን እቲ ዝድለ ጽልዋ ንምሕዳር፡ ግዝፊ ናይ ሓደ ሰልፊ ከም ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ ዝርአ።

ኣብዝ ሕጂ እዋን እቲ ማእከላይ ሰልፊ ክንደይ እዩ ዘለዎ-6%? ብመሰረት እቲ ሕድሕድ ሰልፊ ዘለዎም ዓቕሚ ክንማያየጥ ኣለና፡ ትብል መራሒት ናይ ጸጋማዊ ክንፊ። ንሳ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እቶም ሶሻል ዲሞክራተና ዝፈጸሙዎ ዓቢ ጌጋ ኣብቲ ምስ ማእከላይ ሰልፊን ሊበራላውያንን ዝነበሮም ስምምዕ፡ ሰልፊ C ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ቦታ ክሕዙ ምግባሮም እዩ ነይሩ ዝብል እምነት ኣለዋ። S ነቲ ቦታ ኣሕሊፉ ሂቡዎም ትብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com