Saturday , May 18 2024

ዴኒማርክ፡ ብጀካ ካብ ሽወደን ንኻልኦት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ኣፍደገኣ ትኸፍት

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ካብ 15/06/2020 ጀሚራ ንኹሎም ካብ ጀርመን፡ ኖርወይን ኣይስላንድን ዝመጹ በጻሕቲ ኣፍደገኣ ክፉት ምዃኑ እንዳሓበረት ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ ክትቅበል ድልውቲ ከምዘይኮነት ግን መርገጺኣ ደጊማ ኣረጋጊጻ።

እቶም በጻሕቲ ናብ ኮፐንሃገን ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ሚኒስተር ፍትሒ ዴኒማርክ፡ ኒክ ሂኪሮፕ፡ ከም ዝሓበረ TT ኣመሓላሊፉ።

በጻሕቲ ናብ ከተማ ኮፐንሃገን ክበጽሑ ኣይፍቀድን እዩ ዝብል ኣቐድም ኣቢሉ ብመንግስቲ ዝወጸ መግለጺ ካብ ብዙሓት ሰልፍታት ዴኒማርክ ተሪር ተቛውሞ ረኺቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ። መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ነቲ ውሳኔ ዳግመ ግምት ብምግባር ከም ዝቐየሮ ይፍለጥ።

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚራ፡ ዴኒማርክ፡ ዶባታ ዓጽያ ከምዝጸንሐት ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com