Saturday , May 18 2024

ዴኒማርክ፡ ንተቐማጦ 5 ተወሰኽቲ ምምሕዳራት ሽወደን ዶባታ ትኸፍት

በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ፡ ካብን ናብን 5 ተወሰኽቲ ምምሕዳራት ሽወደን መገሻ ከምዘፍቀደ ገሊጹ። እተን ምምሕዳራት፡ ዮምትላንድ፡ ሶርምላንድ፡ ኦብሳላ፡ ኦሬብሮን ኦስትርዮትላንድን ምዃነን መርበብ ሓበሬታ TT ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ዴኒማርክ፡ ንተቐማጦ ምምሕዳራት ቢሊኪንጋ፡ ክሮኖቤሪ፡ ሃላንድ፡ ቬስተርቡቲን፡ ካልማር፡ ቬርምላንድን ስኮናን ኣፍቂዳ ምንባራ ይዝከር።

በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ፡ ብሰንኪ ብዝሒ መጠን ለበዳ ኮሮና፡ ናብተን ዝተረፋ ምምሕዳራት ሽወደን መገሻ ከልኪሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዴኒማርክ፡ ንኹነታት ምእታው ናብ ሓንቲ ሃገር ዝምልከት ለውጥታት ሰሙናዊ ሓበሬታ ከም ተመሓላልፍ ይፍለጥ።

ዴኒማርካዊ መምዘኒታት ዝሓቶም ረቛሒታት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ ካብ 100 ሽሕ ሰብ 20 ጥራይ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል እዩ።

ካብ ሽወደን ናብ ዴኒማርክ ብመርከብ ወይ ብመንገዲ ድልድል ዝገሹ ሰባት፡ ፓስፖርት ወይ ወረቐት መንነት ብተወሳኺ ድማ ኣብተን ዝተጠቕሳ ከባቢታት ዝቕመጡ ምዃኖም ዝሕብር ምስክር ወረቐት ክማልኡ ከምዝግበኦም ሰብ መዚ ዴኒማርክ ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com