Friday , May 17 2024
"Remember to keep your distance" was the message in Copenhagen in March. This applies again, after the highest covid-19 infection rates since December have been confirmed. (Liselotte Sabroa/Ritzau Scanpix via AP) LLT802

ዴኒማርክ፡ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣመዝጊባ

ትማሊ ረቡዕ፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ሃገረ ዴኒማርክ፡ 3017 ከምዝተመዝገበ ጸብጻባት ኣሃዱ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዴኒማርክ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ቁጽሪ እዚ ድማ፡ ካብ ዕለት 23 ታሕሳስ 2020  ክሳብ እዚ እዋን ዝነበረ መጠን መልከፍቲ፡ እቲ ዝበዝሐ ምዃኑ ተገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሉስ፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ንሕማም ኮቪድ-19፡ ንዝመጽእ ወርሒ፡ ከም ኣስጋኢ ማሕበራዊ ሕማም ኢሉ ከምዝወሰኖን ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ድማ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ከምእንደገና ኣብ ስራሕ ከውዕል ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ትማሊ ረቡዕ፡ 319 ሰባት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክግበረሎም እንከሎ፡ 3 ሰባት ድማ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ዴኒማርክ፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19 የስፋሕፍሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ መጠን ክታበት ወሲኹ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ክሳብ ሕጂ፡ 86% ካብ 5.8 ሚልዮን፡ ማለት 4.4 ሚልዮን ህዝቢ ዴኒማርክ፡ ምሉእ ክታበት ከምዝወሰዱ ገሊጹ። ብዝሒ ናይቶም ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት፡ 410,434 በጺሑ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com