Sunday , May 19 2024
With just over 28,000 new cases of COVID-19, which is the highest listing in a single day during the entire pandemic (Claus Bech/Ritzau Scanpix via AP) AMB806

ዴንማርክ፡ 28,000 ሓድሽ ቁጽሪ መልከፍቲ ተመዝጊቡ

ሃገረ ዴንማርክ: እዚ ለበዳ ካብ ዝተኣታቶ ንንጀው: ኣብ መዓልቲ 28,283 ዝኸውን ሓደሽቲ ሕሙማት – እቲ ዝዓበየ ቑጽሪ መልከፍቲ – ከም ዘመዝገበት ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ሓድሽ መዝገብ መልከፍቲ ኮቪድ: ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 230,000 መርመራታት ናይ PCR (PCR testsብዝተገብረ መሰረት ዝተረኽበ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ማለት ካብዞም ዝተመርመሩ እቶም ካብ 12% ቁሩብ ዝዛይድ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ብኮቪድ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ እዩ ዘርእይ።

ብተወሳኺ’ውን፡ ልዕሊ 260,000 ዝኸውን ቅልጡፍ መርመራታት (rapid testsከም ዝተገብረሎም ተፈሊጡ’ሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ውጽኢት ናይዞም መርመራታት ኣብቲ መዓልታዊ ጸብጻብ ናይ ዴንማርክ ትካል ተላባዕቲ ሕማማት (Statens Serum Institut SSI) ከም ዘይጠቃለል ተፈሊጡ’ሎ።

ብሮቡዕ ማዓልቲ፡ 784 ዝኾኑ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት: ኣብ ሆስፒታላት ዴንማርክ ዝተሓከሙ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ካብቲ ብሰሉስ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ብ10 ዝዋሓደ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ካብዚኣቶም እቶም 80 ዝኾኑ ኣብ ጽኑዕ ክንክን ዘድልዮ ክፍሊ ይሕከሙ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ብተወሳኺ’ውን ብሮቡዕ 15 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ቑጽሪ’ዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዴንማርክ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ: ናብ 3,222 ከም ዘብጽሖ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com