Friday , May 17 2024

ዴንማርክ ንዜጋታት ናይ ኮሮና ፓስፖርት ተውጽኣሎም

መንግስቲ ዴንማርክ፡ ዜጋታቱ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝግልገልሉ ፡ዲጂታላዊ ናይ ኮሮና ፓስፖርት፡ ከውጽኣሎም ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ፓስፖርት ኣብ ዝቕጽላ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክዳሎ ምዃኑ ዝገለጸ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር፡ ዴንማርካውያን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፡ በቲ ሳንድሄድ ዶት ዲ ኬይ (sundhed.dk) ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሎም ክትባት ምርካቦምን ዘይምርካቦምን መርተዖ ከቕርቡ እዮም።

እዚ ፓስፖርት፡ ኩነታት ክትባት ናይቲ ወናኒ ዝሕብር ኮይኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ናይቶም ብምኽንያት ቢዝነስ ዝጓዓዙ ሰባት ዝውዕልን ኣብ ውሽጢ ዴንማርክ ኸኣ ናብ ኣብያተ መግቢ፡ ኮንፈረንሳት፡ ሙዚቃዊ ፈስቲቫላትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ንኽሳተፍ ክግልገለሉ ይኽእል እዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።

መንግስቲ ነዚ ፓስፖርት ኮሮና ብጽቡቕ ከም ዝርእዮ ገሊጹ’ሎ። ፕረሲደንት ጨንፈር ንግድ ዴንማርክ ብሪያን ሚከልሰን ከም ኣብ ጸልማት ጋለርያ ዘሎ ቀንዴል እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com