Friday , May 17 2024
Italian President Sergio Mattarella will remain in office. (AP Photo/Andrew Medichini, Pool, File) LBJ110

ድሕሪ’ዚ ኩሉ፡ ማታሬላ፡ ፕረዚደንት ኮይኑ ይቕጽል

ፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ፡ ንሃገሩ ጣልያን ካብቲ ከጋጥም ትጽቢት ተገይሩዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ከም ዘድሓና ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሽሕ’ኳ ቅድም ክብል ነጺጉዎ እንተነበረ፡ ሕጂ ግና ኣብ ስርሑ ንኽቕጽል ከምዘእመኑዎ ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ሃገረ ጣልያን ፕረዚደንት ዝኾነ ሰርጅዮ ማታሬላ፡ ወዲ 80 ዓመት ኮይኑ፡ ንተወሳኺ ሓድሽ 7 ዓመታት ዝጸንሕ እዋን ክቕጽል ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

 “ኣድላይ እንተኾይኑ፡ ስርሐይ ክቕጽል እየ” ክብል ነሱ ንቀዳማይ ፕረዚደንት ማሪዮ ድራጊ ሓዊሱ ነቶም ኣብ ስልጣኑ ንክቕጽል ዝሓተቱዎ ፖለቲከኛታት ከም ዝነገሮም ተፈሊጡ።

ማታሬላ እቲ ናይ መጀመሪያ ዙር ናይ ስልጣኑ ምስ ኣብቀዐ ንኻሊእ ዙር ኣብ ስርሑ ክቕጽል ድሌት ከም ዘይነበሮ ተዛሪቡ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ባይቶ ‘መን ይምራሕ’ ኣብ ዝብል ካሊእ ሕጹይ ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉን ፖለቲካዊ ቅልውላው ከጋጥሞም ከምዝኽእል ምስ ተገንዘበ ግና፡ ሓላፍነት ክወስድ ከም ዝወሰነ ተፈሊጡ’ሎ።

 “ዓቢ ሓላፍነት ከምዘለዎ ስለዝተሰመዖ እቲ ባይቶ ፕረዚደንት ንክኸውን ዝሃቦ ድምጺ ተቐቢሉ’ሎ” ክብል ጂያንካርሎ ጂዮርጀቲ ሚኒስተር ናይ ቁጠባዊ ምዕባለ ዝኾነ ን SKY Italia ሓቢሩ።

እዚ ዝኾነ ድሕሪ እቲ ብቐዳም ናይታ ሃገር ሓድሽ ፕረዚዳንት ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይን ሻብዓይን ፈተናታት እዩ እቲ ገዲም ፖለቲከኛ ኢዱ ዝሃበ። ንሱ ኣስታት 400 ድምጺ ዝረኸበ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ሓደ ሕጹይ ክምረጽ ንኽገብሮ ካብቲ የድልይ ዝነበረ 505 ብሓደ ሚእቲ ዝዋሓደ ምንባሩ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።

ብቀዳም ምሸት ብኢድ ብዝተጻሕፉ ናይ መረጻ ወረቓቕቲ ሓድሽ ዙር ናይ መረጻ ምስተኻየደ መብዛሕትኡ ናይዞም ድምጺታት ከምዝተረኽበ ግልጺ ከም ዝነበረ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።

ኣብ ጣልያን ሓደ ፕረዚደንት ንምምራጽ ብርክት ዝበለ እዋን ብዙሕ ዙር ናይ መረጻታት ከም ዝግበር ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ኣብ መበል 23 ዙር ከምዝተመረጸ ዝዝከር’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com