Sunday , May 19 2024

ድሕሪ መመረቕታ፡ ስራሕ ንምርካብ፡ ከቢድ ኮይኑ

መጠን ናይቶም ኣብ ዓመተ 2020 ካብ ትምህርቲ ተመሪቖም ስራሕ ክረኽቡ ዝኸኣሉ ሰባት፡ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብጣዕሚ ከምዝጎደለ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዓመተ 2020፡ ካብቶም ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝወድኡ ተማሃሮ፡ 59% ጥራይ፡ ስራሕ ክረኽቡ ክኢሎም። ኣብ ዓመተ 2019፡ እቲ መጠን፡ 69% ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ኣብ መንጎ እቶም ንዩኒቨርስቲ ንኽኣትዉ መዳለዊ ፕሮግራም ዝወሰዱ ተማሃሮ ዝተራእየ ፍልልይ ዓቢ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ተማሃሮ ስነ-ኪነት ውን፡ ዕዳጋ ሽቕለት ንኽኣትዉ ከቢድ ብድሆታት ከም ዘጋጠሞም እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ።

እቶም ከም ቀንዲ ጠንቅታት ናይዞም ሳዕቤናት ዝኾኑ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ ጽላታት ቱሪዝምን ቤት ምግብታትን፡ ብኸቢድ ስለ ዝተጸልዋ እዩ ክብል ፡ ክኢላ ስታትስቲክስ፡ ጂልበርት ፎንታትና፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ብዓውደ ትምህርቲ ሕክምናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ትምህርቶም ዝወድኡ ተማሃሮ ግን፡ ስራሕ ናይ ምርካብ ተኽእሎታቶም ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብዘይፍለ መንገዲ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com