Sunday , May 19 2024

ድሕሪ መጥቃዕቲ ኒስ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ፈረንሳ ንዝነበረ ሓለዋ ጸጥታ ኣጽኒዕዎ

ፖሊስ ሽወደን፡ ብሓሙስ መዓልቲ፡  ኣብ ከተማ ኒስ ድሕሪ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ፈረንሳ ዝገብርዎ ጸጥታዊ ሓለዋ የጥብቕዎ ምህላዎም ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ።

ብመሰረት እታ ጋዜጣ እቲ ሓለዋ ረብሓታት ፈረንሳ ንዝኾኑ ቦታታት ንምሕላው ኣድማስ ቁጽጽሩ ኣስፊሕዎ ኣሎ።

ነዚ ሰለስተ ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ከተማ ኒስ፡ ዝፈጸመ ቱኒዝያዊ ሓታቲ ዕቑባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ ካብዚ ንላዕሊ ሓበሬታ ንግዜኡ ካብ ምሃብ ክትቁጠብ ከም እትመርጽን ኣፈኛ ፖሊስ ሽወደን ኤቫ ኔልሰን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com