Friday , May 17 2024

ድሕሪ ምዕናው ሓጹር ቓዛ፡ ቴል ኣቪቭ፡ ብቦምባ ተደብዲባ

ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሓጹር፡ ብመጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምዕናዉ፡ ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ናብ ከተማ እስራኤል፡ ቴል ኣቪቭ፡ 130 ሮኬታት ከም ዝተኰሱ ገሊጾም።

ነበርቲ ቓዛ፡ ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ድሕሪ ዝመጾም ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ ሰዓት ፍልልይ እቲ ሓጹር፡ ክዓኑ ከም እተገብረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሰራዊት እስራኤል ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተተኰሰ ሮኬታት ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዕጡቓት ፍልስጤም የጥቅዕ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ዝኸፍአ ዝተባህለሉ ጎነጽ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ፡ ነዚ ድሕሪ ዘይምርግጋእ ዮርሳሌም፡ ዝቐጸለ ወጥሪ ንኽህድኡ፡ ንክልቲኣቶም ሓይልታት ጻውዒት ጌሩ’ሎ። ዕጡቓት ፍልስጤም ካብ ሰኑይ ኣትሒዞም 400 ዝኸውን ሮኬታት ብምትኳስ 2 እስራኤላውያን ምቕታሎምን ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ከኣ 28 ፍልስጤማውያን ምሟቶምን ሰብ መዚ ጥዕና ቓዛ ገሊጾም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናተንያሁ፡ ዕጡቕ ጒጅለ ሓማስ ቀይሕ መስመር ብምሕላፍ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ከተማ ዮርሳሌም ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ከሲሱ’ሎ። ነዚ ግብረመልሲ ንምሃብ ድማ እስራኤል ዛጊት 150 ሸቶታት ከም ዝወቕዐት ገሊጻ’ላ። ንቓዛ ዘመሓድር ሓማስ ብወገኑ ን መስጊድ ኣልኣቕሳ ካብ ግብረ ሽበራ እስራኤል ንምክልኻል ይንቀሳቐስ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ። በዚ ኣብ ከተማ ዮርሳሌም ተኸሲቱ ዘሎ ዕግርግርን ኣብ መንጐ ፖሊስ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝተኸስተ ግርጭት ኣማኢት ሰባት ኣካላዊ መጒዳእቲ ከም ዝወረዶም ዝዝከር እዩ። ፍልስጤማውያን ብሰፈርቲ ኣይሁድ ካብ ምብራቕ ዮርሳሌም ብሓይሊ ከም ዝለቁ ድሕሪ ምግባሩ ሰፊሕ ህዝባዊ ቊጠዐን ወጥሪን ከም ዝፈጠረ ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ ካብቶም ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉ 28 ፍልስጤማውያን፡ እቶም 9 ህጻናት ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣብ ዮርሳሌም፡ ንሰሙናት ድሕሪ ዝቐጸለ ወጥሪ ብሰኑይ ዝገንፈለ ዶብ ሰገር ጎነጽ፡ እቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ዘጋጠሞ ጎነጻት፡ እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ሓላፊ ሚኒስትሪ ሓበሬታ መንግስቲ ቓዛ፡ ሳላሜሕ ማዕሩፍ፡ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ወራሪ ሓይሊ እስራኤል፡ ዛጊት ልዕሊ 56 ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ምክያዱን፡ ኣብዚ ድማ ልዕሊ 120 ሚሳይላት ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ከም እተተኰሱ ይገልጽ። እስራኤል ኮነ ኢላ ሲቪላዊ ኣገልግሎታት ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተካይድ ምህላዋ፡ ዛጊት ድማ መጻረዪ ጨዋም ማይ ዝነበረ መደብር፡ በዚ መጥቃዕቲ ከም ዝዓነወ ወሲኹ ገሊጹ።

ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ፡ እስራኤል፡ ኣብቲ ናይ ኣይሁድን ኣስላምን ቅዱስ ቦታ ዝኾነ፡ ደብረ ቅዱስ፡ ዝበሃል ቦታ ጎነጽ ዝመልኦ ዓፈና ድሕሪ ምክያዳ እዩ ክትብል ኣልጀዚራ ሓቢራ’ላ። ምስ ምስጓጒ ፍልስጤማውያን፡ ኣብታ ከተማን ብእስራኤል ተታሒዙ ኣብ ዘሎ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ኣሎ።

መሓመድ ሳቢሕ ሓደ ካብዞም ስድራኦም በዚ መጥቃዕቲ ዝሰኣኑ ፍልስጤማውያን እዩ። ንሱ ጓል 57 ዓመት ሓብቱ፡ ኣሚራ ሳቢሕ፡ ምስ ወዲ 17 ዓመት ኣካለ ስንኲል ወዳ ዓብዱራሕማንን በዚ መጥቃዕቲ ስኢንዎም። “እስራኤል በዚ መጥቃዕቲ ኣየር ከተሸብረና እያ ትደሊ ዘላ፥ ብዛዕባ ህይወት ህጻናትን ኣረጋውያንን ግዲ የብሎምን” ኢሉ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ኣሽራፍ ኣልቒድራ፡ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ቓዛ፡ ብሰንኪ እዚ ኩነታት ዝፍጠር ዘሎ ሞትን መጉዳእትን ከምኡ ውን ለበዳ ሕማም ኮቪድን ኣብ ምክልኻል ድርብ ዕማም የሳልጥ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com