Saturday , May 18 2024

ድሕሪ ጽምብል መመረቕታ ተማሃሮ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ መንእሰያት ወሲኹ ተባሂሉ

ኣብ ቀዳሞት ክልተ ስሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ፡ ኣብ ዓመተ 2001 ዝተወልዱ፡ መንእሰያት ብተዓጻጻፊ ከምዝወሰኸ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብ ምጅማር ወርሒ ሰነ ዝነበረ ናይ ተማሃሮ መመረቕታ ጽምብላት ኣብ ምውሳኽ ናይቲ ለበዳ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጋዜጣ GP ገሊጹ።

ምዝያድ ቁጽሪ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ከባቢታት ስካራቦሪን ዮቶቦሪን ጎሊሑ ከምተራእየን እቶም ግዳያት ድማ ፎርኮስቲ ምልክታት ሕማም ኮቪድ – 19 ከምዘርኣዩ ሓኪም ጸረ ለበዳ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።

ሰብ መዚ ኣሃዱ ጥዕና፡ ዓበይቲ ናይ መመረቕታ ጽምብላትን ብዝሒ ዘለዎ ምትእኽኻብ ንኸይግበር ኣጠንቂቖም ከምዝነበሩ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ናብቲ ጽምብላት ንምሕዋስን ብኣሃዱ ጥዕና ዝተዋህበ ምኽሪ ንምጥሓስን ዝዕድሙ መልእኽታት ተማሃሮ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም እተዘግሑ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com